Friday, October 30, 2015

ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ምሕቛን ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ መሬት ዝመንቀሊኡ ዓዲታት ባዕለን ንባዕለን ይበኣሳ ከም ዘለዋ ተገሊፁ።



ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ። ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ምሕቛን ዝርከባ ቁሸታት ዓዲ ወይባን እንኮ ኳናን ኣብ ከባብታት 1972 ዓ.ም ተመቒሉ ዝተመሓደረ ሕርሻ መሬት ነባሪ ህዝቢ እዘን ቁሽተታት ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ብዘይ ምንም ምስሕሓብ ባእሰን ክጥቀመሉ ዝፀነሐ ኮይኑ ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ ግን ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ዓዲ ዝርከብ መሬት ንዓና ይግባኣና ብዝብል ሕቶታት ህዝቢ ኣብ ዓብዪ ባእሲ ተፀሚዱ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እተን ካብ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣትሒዘን መዋሰኒ ቦተአን ፈሊጠን ዝፀንሓ ቁሸታት ሕዚ መሬት ይግባኣኒ ከልዕላ ዝኸኣላ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ  ኣመሓደርትን ካድረታትን ብዝኽተልዎ ዘለዉ ኣሰራርሓ ህዝቢ ንህዝቢ ዘናቑት ሽርሒ ይጥቀሙ ብምህላዎም ካብዚ ዝነቐለ ድማ ቁሸት ዓዲ ወይባ ክጥቀምሉ ዝፀንሑ ሕርሻ መዋስንቶም ዝኾነት ቁሸት እንኮ ኳና እቲ ቦታ ንዓና እዩ ዝግባእ ኢሎም ሰፊሕ ሕቶ ኣብ ዘበገስሉ ኣመሓደርቲ ወረዳን ጣብያን ዓረቐቲ መሲሎም ብምቕራብ ንክልትኡ ህዝቢ ዘናቑት ሓሳብ ኣብ ዘቕረብሉ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸቡ እቲ ሕርሻ መሬት ተኸሊሉ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ክኸዉን ገይረሞ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።