ካብዞም ብግዕዙይ ምሕደራ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ
ተማሪሮም ኣብዚ ሰሙን ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝተፀበሩ መናእሰይ ሃገርና ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦
1 ተኽላይ ገብረንስአ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ
መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ፍታዉ
2 ፊልሞን ንጉሰ፤ ፀጋይ ኣረጋይ፤ መለይ ማጆር፤
ጠዓመ ኣረጋይ ብሓደ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ በሪሃ
3 ዕምበባ ሃይለ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም
ጣብያ ገርሁ ስርናይ
4 ፍስሃየ ሓዮሎም ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ
ጣብያ ዓሊተና
5 ቢንያም ተስፋይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ
መኸዳ ጣብያ ሸዊት ዝተባሃሉ ዝርከብዎም እዮም፣
እዞም
መናእሰይ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ብገበርቲ ሰናይ ትካላት ብሓገዝ ይኹን ብሶፍትኔት መልክዕ ንፅጉም ህዝቢ ክዉዕል ዝመፀ እኽሊ
ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ኣብ ወረዳን ጣብያን ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ናይ'ቲ ሰርዓት ተመሻጥሮም ኣየር ብኣየር ሸይጦም ባዕሎም ይከፋፈልዎ
ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ነቲ ዝተረፈ ዉሱን እኽሊ ድማ ናሃቶም ደጋፍን ቤተሰቦምን ተጠቃሚ ክኸዉን ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣረዲኦም።
ብፍላይ
መናእሰይ መለይ ማጆርን ፀጋይ ኣረጋይን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ። መምህራን ደሞዎዞም ንኽወስዱ መዓልቲ ምቑፃር እንተዘይ ኮይኖም ተገዲሶም
ከም ዘይምህሩን ፐሬዶም ኣብ እንዳ ሻሂ ካልእን ከም ዘጥፍእዎ በዚ ተስፋ ዝቖረፀ ተማሃራይ ንሽሙ ናብ ቤት ትምህርቲ መዓልታዊ ይመላለስ
እምበር እዙይ ዝብሃል ፍልጠት ዝቐስመሉ ስርዓት ቁፅፅር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከም ዘየለ ገሊፆም።
እቲ
ካብ ላዕለዎት ትካላት ዝምረቕ ተማሃራይ እንተኾነ'ዉን ስራሕ ስኢኑ ፈቕድኡ ክንከራተት ስለ ዝረአ እቲ ሕዚ ዘሎ ተምሃራይ መፃኢ
ዕድለይ ካብኡ ኣይሓልፍን ብምባላ ትምህርቲ ዘለዎ ኣትኩሮ ክዳኸም ይገብሮ ከም ዘሎ ወስኾም ገሊፆም።