Tuesday, December 1, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ምዕራብን ታሕታይ ኣርማጭሆን ዝርከቡ ነበርቲ ቤተ እስራኤላውያን ዝኾኑ ወገናት ምስ ፌዴራል ፖሊስ ስለ ዝተጋጨዉ ህይወት ዜጋታት ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ።



  እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ታሕታይ ኣርማጭሆ ኣብ ሞንጎ ዕጡቛት ፌዴራል ፖሊስን ኣብ'ቲ ቦታ ዝነብሩ ቤተ እስራኤላውያንን ካብ 28 ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ተወሊዑ ብዘሎ ግጭት ካብ ፌዴራል ፖሊስ  10 እንትሞቱ ካብ ስቪላት ድማ 20 ንፁሃት ወገናት ፌዴራል ፖሊስ ብዝተኮስዎ ጥይት ህይወቶም ከም ዝሓለፉ  ምንጭታትና ካብ'ቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እዞም ኣብቲ ወረዳ ዝርከቡ ህዝቢ ዝጭፍጭፉ  ዘለዉ ፌዴራል ፖሊስ ነቲ ተቓዉሞ ህዝቢ ክቖፃፀርዎ ስለ ዘይከኣሉ ካልእ ተወሳኺ ፌዴራል ፖሊስ ካብ ዳባት ኣምባገርግስን ናብ'ቲ ግጭት ዝተወለዐሉ ከባቢ  ከም ዝተልኣኹ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ግፍዒ ንከይቃላዕ ድማ ጋዜጠኛ ይኹን ካልእ ተዓዛቢ ኣካል ናብቲ ቦታ ንኸይከይድ ከም ዝተኸልከለ ህዝቢ ብወገኑ መንግስቲ ብዕጡቛቱ ኣቢሉ ይጭፍጭፈና ኣሎ ብምባል፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።