እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ታሕታይ ኣርማጭሆ ኣብ ሞንጎ ዕጡቛት ፌዴራል
ፖሊስን ኣብ'ቲ ቦታ ዝነብሩ ቤተ እስራኤላውያንን ካብ 28 ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ተወሊዑ ብዘሎ ግጭት ካብ ፌዴራል ፖሊስ 10ተ እንትሞቱ ካብ ስቪላት ድማ 20 ንፁሃት ወገናት ፌዴራል
ፖሊስ ብዝተኮስዎ ጥይት ህይወቶም ከም ዝሓለፉ ምንጭታትና ካብ'ቲ
ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እዞም ኣብቲ ወረዳ ዝርከቡ ህዝቢ ዝጭፍጭፉ ዘለዉ ፌዴራል ፖሊስ ነቲ ተቓዉሞ ህዝቢ ክቖፃፀርዎ ስለ ዘይከኣሉ ካልእ ተወሳኺ
ፌዴራል ፖሊስ ካብ ዳባት ኣምባገርግስን ናብ'ቲ ግጭት ዝተወለዐሉ ከባቢ
ከም ዝተልኣኹ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ግፍዒ ንከይቃላዕ ድማ ጋዜጠኛ ይኹን ካልእ ተዓዛቢ ኣካል ናብቲ ቦታ
ንኸይከይድ ከም ዝተኸልከለ ህዝቢ ብወገኑ መንግስቲ ብዕጡቛቱ ኣቢሉ ይጭፍጭፈና ኣሎ ብምባል፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት
ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።