Pages

Saturday, December 12, 2015

ኣብ ወረዳ ፀገዴ ከተማ ዳንሻ ኣብ ዝተገበረ ናይ ህዝብን ኣመሓደርትን ዝተኻየደ ምስሉይ ገምጋም ህዝቢ ከም ዘይተቐበሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ዳንሻ ብዕለት 14 ሕዳር 2008 ዓ/ም ናይ ህዝብን ኣመሓደርትን ተባሂሉ ኣብ ዝተገበረ ምስሉይ ገምጋማዊ ኣኼባ ብህዝቢ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ድሕሪ ምግላፅ በዚ መሰረት ድማ ተኣከቢ ህዝቢ ነቶም ኣኼባ ዝመርሑ ኣካልት ንዓና ሓዱሽ  ነገር ክተምሁሩና እንተዘይ ክኢልኩም ቅድሚ ሕዚ እዉን ከም’ዚ ዓይነት ብዙሓት ገምጋማት እኳ እንተተገብረ በቶም ዝተኻየዱ ገምጋማት ዝመፀ ለውጢ ዘይኮነ ብኣንፃሩ ደጋፍን ፀላእን ገዛኢ ዉድብ መሚኻ ንምፍላጥ ኢሉ እውን ነቲ ኣማሪሩ ዝገምገመ ሰብ ኣብ ፀቢብ ዓይኒ መርፋእ ኣትዩ ንምክትታል እትጥቀምሉ ሜላ እዩ ክብሉ ከም ዝተዛረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዝረድኦ። እቶም ተኣከብቲ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኣይንዛረብን ኣይንግምግምን ብምባል ነቲ ዝቐረበ መማያየጢ ኣጀምዳ ስለ ዝነፀግዎ እቶም መራሕቲ መድረኽ ዝኾኑ ኣመሓደርቲ ድማ ካብቲ በቢመድረኹ ደጋግሞም ዘቕርብዎ ዘለዎ ኣሰልቻዊ መልሲ እንተይወፁ ሰናይ ምምሕዳር ክነንግስ ተበጊስና ኣለና ዝብል ሓሳብ ዋላ እኳ እንተሃቡ እቲ ህዝቢ ግን ምምሕዳርኩም ንፈልጦ ፖሊስኩም ንፈልጦ ብተግባር ዝተሰነየ ኣይኮነን መብፅዓኹም ኣይንቕበል ክብሉ ኣብቲ መድረኽ ኣምሪሮም ካብ ዝተዛረቡ ንምግላፅ ዝኣክል ሚልሻ ማርሻ ገ/ሄርን እንግዳቸው ተሰማን ዝተብሃሉ ከም ዝርከብዎም ገሊፁ።