Sunday, December 6, 2015

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ወረዳ ትክል ድንጋይ እትመሓደር ሮቢት ዝተብሃለት ቦታ ብተደጋጋሚ ግጭት ዝካየደላ ከም ዝኾነት ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ኣረዲኡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ወረዳ ትክል ድንጋይ እትመሓደር ሮቢት ዝተብሃለት ቦታ ብተደጋጋሚ ግጭት ዝካየደላ ከም ዝኾነት ድሕሪ ምግላፅ። ቅድም ክብል ኣብ'ቲ ቦታ ኣብ ሞንጎ ፌደራል ፖሊስን ቤተ እስራኤላውያንን ግጭት ዘጋጠመ እንትኸውን ሐዚ ድማ ምስ ምክልኻል ሰራዊት ግጭት ተፈጢሩ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።
በዚ መሰረት ነቲ ምስ ምክልኻል ሰራዊት ዝተወለዐ ግጭት ካብ ናይ መበል 24 ክፍለ ሰራዊት ንሓገዝ ብዕለት 1 ሕዳር 2008 ዓ/ም ካብ 70 ክሳብ 80 ዝኾኑ ወታሃደራት ዝፀዓነት መኪና ካብ ሳንጃ ተበጊሳ ናብ ‘ቲ ግጭት ዘጋጠመሉ ሮቢት ዝተብሃለ ቦታ ኣብ ትጎዓዘሉ እዋን። እቲ ነባሪ ህዝቢ ኣቐድሙ ስለ ዝፈለጠ ነቲ መንገዲ መሰናኽል ብምፍጣር እታ መኪና ክትግልበጥ ከም ዝገበረ በቲ ናይ ምግልባጥ ሓደጋ ድማ 40 ወታሃደራት እንትመቱ ዝተረፉ ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ባህርዳርን ኣዞዞን ኣትዮም ከም ዘለው ተፈሊጡ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ በቲ ዝተፈጠረ ግጨት ልዕሊ 25 ነበርቲ ሮቢት ብምክልኻል ሰራዊት ከም ዝተቐተሉ ድሕሪ ምግላፅ በዚ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ሓያል ዝኾነ ወጥርን ጭንቕንቕን ብምፍጣሩ ህዝቢ ጠቕላላ ኣብቲ ከባቢ ተቖፂሩ ንዝሰርሕ ዝነበረ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣይተድሉዩናን ኢሉ ስለ ዘባረሮም ገዛኢ ስርዓት ድማ ህዝቢ ዝግልገለሉ ሕክምና ይኹን ኣብያተ ትምህርቲ ክዕፀዋ ብምግባር ነቲ ዝተፈጠረ ባእሲ እዚኦም ግጨት ዝገብሩ ዘለዉ ሰባት ግብፂ ንግድብ ኣባይ ንምትዕንቓፍ ዘዕጠቐቶም እዮም ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰፍ ዘይብል ጨፍጫፍ  የውርድ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።