ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምብራቕ
ትግራይ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ንግልጋሎት ማይ ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ረብሓ ከይወዓለ ብውልቀ ካደርታት ከም ዝተጠፋፈአ እንትገልፁ ካብ'ቶም ኣብ ምጥፍፋእ
ገንዘብ ህዝቢ ዝተዋፈሩ ድማ ገዛኢ ዝተብሃለ ናይ'ታ ወረዳ ማይን መዓድንን ሓላፊ 59 ሽሕ ኣሸናፊ ዝተብሃለ ምኽትል ናይ'ታ ወረዳ ማይን መዓድንን ሓላፊ 49 ሽሕ ከምኡ
'ውን ክቡሮም የሕደጎ ዝተብሃለ ተሓዚ ገንዘብን ካልእ ክቡሮም ዝብሃል እዚኦም ኣርባዕቲኦም ንግልጋሎት ማይ ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ
ገንዘብ ኣብ ውልቀ ጣጠኦም ከም ዘዉዓለዎ ብህዝቢ ጥርዓን ስለ ዝቐረበ
ተኣሲሮም ከም ዘለው ንምፍልጥ ተኻኢሉ።
ከምዚ ዓይነት ገንዘብ ህዝቢ ምጥፍፋእ ኣብ
ሰበ ስልጣን ዞባ ምብራቕ ልሙድ ኮይኑ ኣብ ካልኦት ዞባታትን ክልላትን ሃገርና 'ዉን ሓላፍነትካ ተጠቕምካ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን
ምጉሓል ኣብ መርሕነት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ተደጋጊሙ ዝግለፅ ተግባር ምዃኑ ይፍለጥል።