ካብ ላዕለዎት መሪሕነት ገዛኢ ስርዓት ሓደ
ዝኾነ በረኸት ስምኦን ንነበርቲ ወረዳ ጭልጋ ኣብዚ ቅንያት ኣኼባ ፀዊዑ ኣብ ልዕሊ ኣብዚ ከባቢ ዝርከቡ ቤተ እስራኤዉያን ስጉምቲ
ክንወስድ ስለ ዝኾና ተወላዲ ክልል ኣምሓራ ነቲ ስጉምቲ ድጋፉ ዝገልፀሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተፀወዐ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ተረኺቡ
ሙሉእ ብሞራል ክትሳተፉ ኣለኹም ክብል ንነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ናብ ግጭት ዘእቱ መምርሒ ከም ዘዉረደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ህዝቢ እታ ወረዳ ብወገኑ ንሕና ዝተብኣሱ ነታዓርቕ
ድኣ'ምበር እዚ ትብሉና ዘለኹም ኣይንቕበሎን ናብቲ ሰልፊ ኣይንወፅእን ብምባል እቲ ን21 ሕዳር 2008 ዓ/ም ተሓሲቡ ዝነበረ ሰልፊ
ከይተገብረ ዝተረፈ እንትኸዉን እንተኾነ ግን ነጋዴ ባህር ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ንዓመታት ክነብሩ ዝፀንሑ ቤተ እስራኤላዉያን ብትእዛዝ
መራሕቲ ብኣዴን/ኢህወዴግ እናተገፈፉ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ይእከቡ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።