ብመሰረት ወሃብቲ
ሓበሬታ። ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ቀበሌ 04 ወናኒ እንዳ ሰጋ መሸጣ ዝኾኑ ኣይተ ሽፈራዉ ታደሰ ዝተበሃሉ ወገን። ብ28
ሕዳር 2006 ዓ.ም ሰዓት 11።30 ኣጋምሸት ፖሊስ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ከይዶም ብዘይ ዝኾነ ናይ ቤት ፍርዲ መእዘዚ ትድለ
ኣለኻ ኢሎም ኣሲሮም ክወስድዎ ምስ ፈተኑ። ሕጋዊ መእዘዚ ደብዳቤ ኣርእዩኒ ኢሎም ብምሕታቶም ዘይተዋሕጠሎም ልኡዃት ፖሊስ ሓይሊ
ተጠቒሞም ክወስድዎም ኣብ ዝፈተንሉ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ዕግርግር ከም ዝተወለዐ ኣረዲኦም፣
ስድራ ቤት ኣይተ
ሽፈራዉ ምስ ነባሪ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ብምዃን ኣብ ልዕሊ እቶም ፖሊስ ብዘልዓልዎ ተቓዉሞ ዝሰግኡ ፖላዊስ። ኣብታ ከተማ
ንዝርከቡ ፌዴራል ፖሊስ ኣፀዊዖም ነቲ ተቓዉሞ ዘስምዕ ዝነበረ ህዝቢ ብሓይሊ
ክብተን ብምግብር። ንኣይተ ሽፈራዉ ታደሰ ብሰደፍ ብረትን ብበትሪን ብሕሱም እናቐጥቀጡ ወሲዶም ኣብ ቀበሌ 02 ክልተ
ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ደጒኖም ይገርፍዎም ከም ዘለዉን። ክሳብ ሕዚ ምኽንያት መእሰሪኦም ከም ዘይተነፀረን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከም ዘይፈልጡን ምንጭትትና ወሲኾም ኣገንዚቦም፣