Tuesday, July 21, 2015

ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ልምዓታዊ መንግስቲ ክኸውን ኣይኽእልን!!



ኣዝዮም ካብ ዘሰልችው ፕሮፖጋንዳታት ካድረታት ወያነ ኢህወደግ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ህፁፅ ልምዓት ከምፅእ ዝኽእል ስትራቴጂ ምሕንፃፁን ተኣምራዊ ለውጢ ከም ዝመፀ ተገይሩ ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ሃገርና’ዩ።
     ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ሃገርና ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ገይሩ ካብ ዝገልፆም ቀንዲ መከራኸሪ እቲ ሓደ“ ኣብ ኢትዮጵያ ልምዓት ክመፅእ ዘኽኣልኩን ሕዚ’ውን እንተኾነ ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ዝርከብ መንግስቲ ኣነ’የ፤ ንቕድሚት’ውን ካባይ ወፃኢ ንሃገርና ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ዝመርሕን ቅልጡፍ ልምዓት ከረጋግፅ ዝኽእል ሓይሊ ብዘይምህላውን ንድሕነት ሃገር ክበሃል ንሕና ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ክንፀንሕ ይግባእ ብዝብል መደናገሪ ቃል ጎስጓሳቱ ከስርፅ በተደጋጋሚ ሰሚዕናዮን ንሰምዖን ኣለና።
    ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ሕፅረት መብራህቲ፤ ስእነት ዝስተ ፅሩይ ማይ፤ ጥምየት፤ መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ ምፍራስ፤ ካብ ሓረስቶት መሬት ብዘይፍቓዶም ምምንጣል ወ.ዘ.ተ….ንልምዓት ሃገር ዘመልክት ኣይኮነን፣ መሰለይ ይከበረለይ ኢሉ ንዝሓተተ “ፀረ ልምዓት ተባሂሉ ክኽሰስ ምግባር “ኣብ ሃገርና ልምዓት ከም ዝተረጋገፀን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ከም ዘሎን  ዘመልክት ኣይኮነን”።
    ቁጠባዊ ልምዓት ዝበሃል ኣብ ሕብረተሰብና ዙርያ መለሽ ልምዓት ክህሉን ቀንዲ ቀንዲ ቀረብ ናይ መሰረተ ልሞዓት ኣገልግሎት ምምላእ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ተወዳዳርነት ዕዳጋን ዝተመቻቸወ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ክህሉን ምግባር፤ ኣብ ጥዕና፤ ኣብ ትምህርትን ካልኦትን ዕብየት ክረጋገፅ ምኽኣል ዘጠቃለለ’ዩ።
    ቁጠባዊ ልምዓት ናይ ሓደ ህዝቢ ኢኮኖሚ፤ ፖለቲካውን ማሕበራውን ድሕንነት ዝመሓየሸሉ ከይድን ፖሊስታትን ዘጠቃለለ’ዩ። ልምዓት ብቑፅሪ ዝልካዕ ጥራይ ዘይኮነስ ቀንዲ ዕላምኡ ብቁፅሪ ንምልካዕ ኣፀጋሚ ዝኾነ ሕጉስ ማሕበረሰብ ምፍጣር’ዩ። ልምዓት ማለት ናይ መብዛሕትኡ ህዝቢ መዓልታዊ ናብራ ኣብ ናይ ፅባሕ ተስፍኡ ጭቡጥ ኣወንታዊ ለውጢ ምፍጣር’ዩ። እዚ እንትበሃል። ኣብ ኣመጋግብኡ፤ ኣብ ጥዕንኡ፤ ኣብ ኣካዳድንኡ፤ ኣብ ዝረኽቦ ፅሬት ትምህርትን መጠንን፤ ኣብ ውሽጡ ብዝፈጥሮ ዓርሰ ምትእምማንን ናፅነትን፤ ዝረኽቦ ፍትሃዊ ዳይነት፤ ብሓፈሻ መወዳእታ ናይ ልምዓት ሽቶ ናይቲ ሕብረተሰብ መጠን ድኽነት ምጉዳል’ምበር ነቲ ሃብታም ብዝበለፀ በዓል ፀጋ ንምግባር ኣይኮነን።
    ትርጉም ልምዓት ብትኽክል ክጭብጦ ዘይከኣለ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ኢህወደግ ልምዓት ማለት እንጀራ ምግጋር ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝጋገርካዮ እንጀራ ናይ ምብላዕ መሰል ዘጣቓለለ፤  ንፅባሕ ዝኸውን እንጀራ ናይ ምርካብ ተስፋ ዘማዕዱን ናይ ሎሚ ናፅነት ንናይ ፅባሕ ተስፋ ከም ዝኾነ ብዝግባእ ዝተረደአ ኣይመስልን።
     መዓልታዊ መምሰሊ መደናገሪ ፕሮፖጋንዳ ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ሓቂ ንምኽዋል ተሓሲቦም ብዝተኣልሙ ኣሃዛት ዝግለፁ ምዃኖም ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ይፈልጦም’ዩ፣ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዝኸፍአ ስእነት ስራሕ ኣሎ፤ ፍትሕን ናፅነት የለን፤ ክብርን ስብእናን ህዝብና ኣይተረጋገፀን፤ ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ዘሐፍር ደረጃ ይርከብ፤ ጉዳይ ስደት መዛረቢ ኣይብሉን፤ ጉቦን ግዕዝይናን’ውን እንተኾነ ከም ሓደ ቅቡል ኣሰራርሓ ተገይሩ ዝስረሓሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ…ወ.ዘ.ተ ስፍሪ ቁፅሪ ዘይብሎ ፀገማት ምግላፅ ይከኣል’ዩ።
     ጉዳይ መሰል እንተኾነ’ውን ብሰንኪ ውሑዳት ፀረ ህዝቢ መራሕቲ ህዝብታት ብግፍዒ ዝሰቓይሉን ብናይ ሓሶት ውንጀላታት ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ዝግፍዕሉ ኩነታት እዩ ዘሎ፣ ስለዚ ወያነ ኢህወዴግ ካባይ ዝሓሸ መንግስቲ ኣይትረኽቡን እናበለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናቐለደን ንገዛእ ህዝቡ እናደናገረን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን በዚ ስርዓት’ዚ ትርጉም ዘለዎ ልምዓት ከረጋግፅ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን።