ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ
ኣድያቦ ከተማ ባድመ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ሓላፊ ዋና ኢንስፔክተር ሃይሉ ዝተበሃለ፣ ኣይተ ብርሃነ ተኹሉ ዝተበሃሉ
ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ምስ ዉድብ ዴምህት ትራኸቡ ኢኹም ብዝብል ንሰለስተ መዓልቲ ኣሲሮም ከፈራርሖም ድሕሪ ምፅናሕ
ከም ዝሰደድዎም ካብታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊፁ፣፣
ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ሓለፍቲ ፀጥታትን
ኣዘዝቲ ፖሊስን፤ ዴምህት ብዝገብሮ ምንቅስቓስ ኣብ ዓብዪ ጭንቕንቕን ወጥርን ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ከም መግለፂ ዓቕሊ
ፅበትን‘ዉን ሕብሪ ዓይኖም ደስ ንዘይብልዎም ሰላማዉያን ሰባት ኣብ ዘይሕጋዊ ቦታ ንኣዋርሕ ኣሲሮም የሳቕዩ ዘለዉ ኮይኖም።
ንኣብነት ወዶም ነቶም ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮም ዝኾነ መንእሰይ ዳኒኤል ብርሃነ ተኹሉ ምስ ዴምህት ርክብ ኣለካ ብዝብል
መፀለምታ መእሰሪ ቦታታት እናቐያየሩ ንሓደ ወርሒ ሙሉእ ኣሲሮም ከም ዘፋነዉዎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም፣፣