ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ አዊ ከተማ ቻግኒ
ዝርከብ ‘’ኣረህማን’’ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ነባር መስጊድ፣
ኣብ መእተዊ በሪ “ኣብዚ ውሽጢ ኣትዩ ክሰግድ ዝተረኸበ ዜጋ ክቕፃዕን ክእሰርን’ዩ” ዝብል ብሰበ ስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ
ዝተፅሓፈ ወረቐት ከም ዝተጠቀዓሉ ኣረዲኡ።
ሕብረተሰብ እስልምና ዝጥቀመሉ ቤት ፀሎት ምዕሻግን ሰብኣዊ መሰል
ዜጋታት ምግሃስን ዕለታዊ ተግባር ስርዓት ኢህወዴግ ኮይኑ ኣሎ ዝበሉ እቶም ኣመንቲ። እቲ ዘሓላፍነታዊ ተግባር ክፍፅሙ ዘገደዶም
ድማ ህዝቢ ተኣኪቡ መሰልና ይተሓሎ ኢሉ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተቓውሞ ከይገብር ካብ ዘለዎም ሻቕሎትን ከቢድ ስግኣትን
ዝነቐለ ምዃኑ ገሊፆም፣፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓባሬታ፣ ብምኽንያት ምዕሻግ እዚ ነባር መስጊድ
ህዝቢ ኣብ ፎቖዶ መንገዲ ክሰግድ ከም ዝተገደደን፣ ነዚ ፍታሕ ክረክብ
ድማ ንዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን እንተቕረበ’ውን ሰማዒ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ኣብ
ምግላፅ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።