Friday, May 17, 2013

መላእ ህዝቢ ትግራይ ብግዕዙይ ምሕደራ ወያነ ግቡእ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይረክብ ብዘይምህላዉ፣ እናማረረ ከም ዝርከብ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝበፅሓና ሓበሬታ የረድእ፣፣



ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ጥቓ ፖሊስ ጣብያ ኣብ ዝርከብ ፎቶ ዜድ ዝተባሃለ ናይ ውልቂ ትካል ልዕሊ 200 ሽሕ ቅርሺ ዝግመት ንብረትን ገንዘብን ከም ዝተዘረፈ ዝገለፁ ምንጭታትና። እዚ ድማ ናይ ፖሊስ ኢድ ኣለዎ ዝብል ስሚዒት ኣብ ህዝቢ ፈጢሩ ከም ዝርከብ ኣረዲኦም፣፣
   ብካልእ ወገን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ወረዳ ማይ ካድራ ህዝቢ ብቐረብ ዝስተ ፅሩይ ማይን መብራህትን ተፀጊሙ ከም ዝርከብ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ከምኡ’ውን ብሰንኪ ፅርግያ ዘይምህላው፤  መንግስታዊ ይኹን ውልቃዊ ትካላት ግቡእ ኣገልግሎት ክህቡ ብዘይምኽኣሎም ህዝቢ እታ ወረዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት መረረቱ የስምዕ ከም ዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
  ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ማይፀብሪ ግቡእ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ሕክምና ብዘይምህላው። ነባሪ ህዝቢ ኣብ ዓብዪ ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣፣
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ፀለምቲ ከተማ ማይ ፀብሪን ከባብኣን ዝነብራ ኣዴታት ብሕማም ሕርሲ ተታሒዘን ናብ’ተን እኹል መሳለጥያ ዘይብለን ጥዕና ኬላታት እንትኸዳ፣ ሰኣን እኹል ማተርያል ሕክምናን መድሓኒትን ሰኣን ብቑዕ ባዓል ሞያን ብርክት ዝበላ ኣሕዋትና ሕማመን በርቲዕወን ናብ ዞባ ሕክምና ኪዳ እንትበሃላ ብቐረባ ተረኺባ ክትወስደን ትኽእል ኣምቡላንስ ብዘይምህላዋ፣ ብዘይ ዝኾነ ረዲኤት ንሞት ይቃላዓ ከም ዘለዋ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፣፣