Monday, July 8, 2013

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መሬት ዕደላ ተዋፊሩ ብጉቦን ካልእ ጥቕማ ጥቕምን ክሰርሕ ዝፀንሐ ኣማሓዳሪ ብህዝቢ ከም ዝተቐትለ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



 ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ነበራይ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዘለዎ ፀገም  መንበሪ ገዛ ከቃልል መሬት ክረክብ ብምሓሳብ ንነዊሕ እዋናት  ብማመልከቻ ንዝምልከቶም ሰበ ስልጣናት ኣካላት ጥርዓን ከቕርብ ዝፀነሐ ኮይኑ፤  እንተኾነ ናይ መሬት ኣማሓዳሪ  ዝኾነ ኣይተ ካሲን ስዒድ ዝተበሃለ ኣመሓዳሪ መሬት፣ እቲ ዝዕደል መሬት ንህዝቢ ምዕዳል ገዲፉ ጉቦ ንዝሃብዎ ውልቀ ሃፋትምን ካብ ወፃኢ ንዝመፁን ጥራሕ ስለ ዝዓደሎ   ህዝቢ መረረቱ ክገልፅ ከም ዝፀንሐ ኣረዲኡ።
 በዚ ጉዕዙይ ዝኾነ ኣሰራርሓ እቲ ስርዓት ዝነደረን መፍትሒ ዝሰኣነን  ነባራይ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ። ብጉቦን ካልእ ጥቕማ ጥቕሚ ምስራሕ ልሙድ ተገባሩ ንዝፀሐ ኣማሓዳሪ መሬት ዝኾነ ካሲን ስዒድ ብ26 ሰነ 2005 ዓ/ም  ከም ዝተቐተሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።