Friday, November 1, 2013

ሓላፊ ፍትሒ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ንባዕሉን ብርክት ዝበሉ ዓቀብቲ ህግን ብግዕዝይና ብምጥልቃዮምን ህዝቢ ፍትሒ ተሓርምዎን ዝብል ገምጋም ከም ዝቐረበሎም ዝበፃሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




ብመሰርት’ቲ ሓበሬታ ኣባላት ካቢኔ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ በብተራ  ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ካብ ላዕለዋይ ሓላፊ ፍትሒ ቢሮ  ጀሚሩ ክሳብ ዝተሓቱ ዓቀብቲ ሕጊ ትግራይ ፍትሒ ንጎኒ ጎስዮም ኣብ ምቕባል ጉቦን ምጥፍፋእ ሃፍቲ ህዝብን ስለ ዝተዋፈሩ ተገልጋሊ ህዝቢ ፍትሒ ፀሚእዎ  ይርከብ ክብሉ ምግምጋሞም ተፈሊጡ።

   ሓላፊ ፍትሒ ቢሮ ክልል ትግራይ ንኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎን ሓዊስካ ኩሎም ኣባላት ካቤኔ ኣብ ዝተረኸበሉ ብ9 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ዝተኻየደ ሰፊሕ ገምጋም ልዕሊ 6 ዝኾኑ  ዓቀብቲ ሕጊ ጉቦ ክቕበሉ ኢድ ብኢድ ተተሓዞም እናሃለወ ስለምንታይ ናብ ካቤኔ ቀሪቦም  ዘይግምገሙ  ዝብል  በቶም ኣባላት ካቢኔ ዝቐረበ ሕቶ ግቡእ ምላሽ ዘይረኸበ ኮይኑ። ነቲ መድረኽ ንምሽፋን ግና ተጋጊና ሓቅኹም ብዝብል ልሙድ ዘረበኦም ተሸፋፊኑ ክሕለፍ ከም ተገብረ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

 እቶም  ፍትሒ  ንጎኒ ገዲፎም ጉቦ ክቕበሉ ኢድ ብኢድ ዝተትሓዙ ዓቀብቲ ሕጊ።
1.         በየነ ሓውዜን ኣብ ማእኸላይ ዞባ ዝሰርሕ
2.         ብርሃነ ገብረመድህን ኣብ ሸራሮ 
3.         ጥላሁን ገብረየሱስ ኣብ ሸራሮ  
4.         ገብረዋህድ ኣብ ራማ         
5.         ወ/ሮ ትዕግስቲ እምባሁን ኣብ ዓዲ ግራት ትሰርሕን ከም ዝኾኑ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ፣