Friday, October 24, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት መፃኢ መረፃ ኢህወደግ ንኽምረፅ ዘፈፅም ፍሉይ ሓይሊ ብምጥያሹ ህዝቢ ይቃዎሞ ምህላዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም፣





  ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ኩለን ወረዳታት ዞባ ኣዊ ካብ ዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት /ሴክተራት/ ዉሽጢ። ነቲ ምስሉይ መርፃ ዘፈፅሙ ብኢህወዴግ ዝተመልመሉ ኣብ ሕድ ሕድ ቤት ፅሕፈት 5 ድህንነት  ከም ዝተመደቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣

     እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ። ኣብ ወረዳ ኣንከሻ ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈት ገንዘብን ኢኮኖሚ ልምዓትን ኣይተ ዘመነ፤ ኣይተ ኣንተነህን ፤ኣይተ ኣሰፋን   ከምኡ’ውን ካብ  ማሕበራት ኣይተ ኣማኒኤል እንትኾኑ። ካብ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ከኣ  ኣይተ ሓሰንን ኣይተ መለስን ዝተብሃሉ ከም ዝርከብዎም እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣

  ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ቦታ ዝርከቡ ኣባላት ብኣዴን ኢህወደግ ንኣባላት ተቓወምቲ ወድባት የፋራርሕዎም ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካብ’ቶም ብካድረታት ብኣዴን- ኢህወደግ ይፈራርሑ ዘለዉ ኣቶ ተፈሪ ዝተባሃሉ ናይ መኢኣድ ኣባል ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ፣