ከም ሓበሬታ ምንጭታት። ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከቡ 15 ወረዳታት ዝተውፃፅኡ
ሓለፍቲ ሕርሻን ካልኦት ሰብ ሞያን ዝተሳተፍሉ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ማርቆስ ጨንፈር ዝኾነ ቡሬ ካምፓስ ኣዳራሽን ትንሳኤ ሆቴል ኣዳራሽን ዝካየድ ዘሎ ብሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ተስፋይ መንግስቱ ዝተመርሐ
ኣኼባ። ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ዝተልዓሉ እንትኾኑ። ብፍላይ ስእነት ዘይትን ሽኮርን ካልኦት ጠለባትን መፍትሒ ዘይግበረሉ ክብሉ ዘልዓልዎ
ሕቶ። እቲ መራሒ መድረኽ እዚ ኣጀንዳና ኣይኮነን ዝብል መልሲ ድሕሪ ምሃቡ
እቶም ተኣከብቲ ብወገኖም እዋናዊ ፀገም ህዝቢ ገዲፍና ብዛዕባ ካልእ ክንመያየጥ ኣይንኽኣል። መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ድማ
ክንመያየጠሉ ኣለና ምባሎም ተፈሊጡ፣
ኣብቲ ዞባ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ስእነት ዘይትን ሽኮርን ዝወለዶ ሕቶ ህዝቢ።
ምስቲ ዝቀራረብ ዘሎ ሃይማኖታዊ በዓል ፋሲካ እቲ ማሕበረሰብ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ኮይኑዎ ምህላዉ ምንጭታትና ገሊፆም፣