Pages

Saturday, December 6, 2014

ኣብ ክልል ትግራይ ንዉድብ ዓረና-መድረኽ ወኪሎም ኣብ መረፃ ዝወዳደሩ ወገናት ምስ ዉድብ ዴምህት ርክብ ኣለኩም እናተበሃሉ ብገዛኢ ዉድብ ይእሰሩ ምህላዎም ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ዝመፅእ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ምስሉይ ሃገራዉን ክልላዉን መረፃ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ሰላማዊ ቃልሲ ናይ ዘካይድ ዉድብ ዓረና-መድረኽ ወኪሎም ዝወዳደሩ ኣባላት እቲ ዉድብ ምስ ህዝቢ ከይራኸቡን ንመረፃ ዝምልከት ስራሕቲ ከየሳልጡን ምእንቲ ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ዉድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ርክብ ኣለኩም ብዝብል ፈጠራ ገዛኢ ጉጅለ ብዘዋፈሮም ኣባላት ድህንነት ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከም ዘለው ተገሊፁ።

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ብሓላፊ ቤት ፅሕፈት ድህንነት ክልል ትግራይ ወልደገብሪኤል /ብወዲ ዓድዋ ዝፍለጥ/ ብዘዉረዶ ትእዛዝ ኣብ ሑመራ ተኣሲሮም ካብ ዘለዉ ኣባላት ዓረና-መድረኽ፦ ኣይተ መለስ ገብረስላሰ ካብ ወልቃይት፤ ኣይተ ሓጎስ ሮምሃ ካብ ሽረ-እንዳስላሰ፤ ኣይተ ገዛኢ ካብ ማይ ካድራ ዝርከብዎም እንትኾኑ ነቲ ምስ ዴምህት ትራኸቡ ዝብል ዝቐረበሎም ክሲ ዉፅእ ሓሶት ዋላ’ኳ እንተበልዎ ክሳብ ሕዚ ተኣሲሮም ይሳቕዩ ከም ዘለዉን እቲ ናይ ምእሳር ወፍሪ ገና ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉን ተፈሊጡ ኣሎ።