Pages

Saturday, December 6, 2014

ኣብ መቐለ ብሰንኪ ስራሕ ስእነት ዝተፀገሙ መንእሰይ ንብረት ህዝቢ ይዘርፉ ብምህላዎም ነበርቲ ንዘስምዕዎ ዘለው መረረት ፍታሕ ከም ዘይረኽቡ ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዘጋጣም ዘሎ ተደጋጋሚ ምጥፋእ መብራህቲን ብሰንኪ ግዑዝይ ምሕደራ እቲ ስርዓት ትምህርቶም ዘቋረፁን ትምህርቶም ወዲኦም ስራሕ ዝሰኣኑን መናእሰይ ብውልቀን ብጉጅለን ብምዃን ገበናት ይፍፀሙ ከም ዘለዉ ዝገለፁ ምንጭታትና ብፍላይ ፀልማት ጉልባብ ብምግባር ሰባት ይኽተሩለን ካብ ዘለዉ ቦታታት እንዳማሪያም፤ ቀበሌ 16 ከባቢ ቤት መድሓኒት ቅድስቲ ማሪያም፤ ቀይሕ ባሕሪ ሆቴል፤ ቀበሌ 18 ከባቢ ቤት ትምህርቲ ኣድቪንትስን ካልኦት ከባብታትን ከም ዝኾኑ ተገሊፁ።
ነባሪ ህዝቢ እተን ከባቢታት ብተደጋጋሚ ናብ ፖሊስን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ምምሕዳርን ዋላ’ኳ እንተመልከቱ ክሳብ ሕዚ ፍታሕ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።