Friday, March 13, 2015

ኣብ ማእኸላይ እዚ ዝርከቡ ናይ 31 ክፍለ ሰራዊት ኢህወዴግ ብብዝሒ ይኸድዑ ብምህላዎም ላዕለዎት ኣዘዝቶም ድማ ኣብ ሓያል ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ካብቲ ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ማእኸላይ እዚ ዝርከቡ ናይ 31 ክፍለ ስራዊት ናይ ሳልሳይን ሻዉዓይን ሬጅመንት ወተሃደራት ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ብምኽድዖም ላዕለዎይ ኣዘዝቲ እቲ እዚ ድማ ኣብ  ስግኣት ከም ዝወደቑ ተገሊፁ።
    ከም ሳዕቤን ናይ”ዚ ድማ ሳልሳይን ሻዉዓይን ሬጅመንትታ ካብቲ ክፍለ ሰራዊት ብኽድዓት ኣብ  ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ስለ ዝተሰርዓ ካብ 23 ለካቲት 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ኣዘዝቲ ሬጅመንት ክሳብ ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣብ ሓያል ገምጋም ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።