Sunday, March 8, 2015

ስርዓት ህወሓት ኢህወደግ ብሽም ሓረበኛታት ዝሽቅጥ ጉጅለ’ዩ!!



    ቃልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ቃልሲ መናእሰይ ትግራይ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝተኻየዱ ዘሕብኑ ቃልስታት ሓደ ምዃኑን እቲ ታሪኽ ተደጋጊሙ’ውን እንተዝለዓል ንህዝብታት ኢትዮጵያ ዘኹርዕ እዩ፣ ናይ ዝሓለፈ ወርቃዊ ታሪኽን ክብርን ብምርጋፅን ንረብሓ ዉሑዳት ብዝገልፅ መገዲ ጥራይ አፀባቢቕካ ምቕራብን ግን ብታሪኽ ተሓታታይ ካብ ምዃን አየድሕንን።
    ብቐጥታዊ አመራርሓ ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ድርብ ወፅዓ ተሸኪሙ ዝርከብ ህዝብና ምሒር እናተገፈዐ ርእሲ ኣድኒኡ ግዳይ ዓፈናን መርገፅትን ክኸውን ሕልንኡ ይቕበል ስለ ዘይነበረ ኣብ ልዕሊኡ ይበፅሖ ንዝነበረ ደርባዉን ብሄራዉን መርገፅቲ ካብ መሰረቱ ንምእላይ ኢሉ አብ ዘካየዶ ቃልሲ ንስርዓት ደርግ ብዘገርም ጅግንነት ድምሲስዎ’ዩ።
    እንተኾነ ግን እቲ ልዕሊ 65 ሽሕ ስዉኣትን ልዕሊ 100 ሽሕ ድማ ዝሰንከልሉ ቃልሲ ን17 ዓመታት ዝተኻየዶ መሪር ተጋድሎ ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርግ ንኹሎም ህዝቢ ዝተቓለሰሎም ዕላማታት ክሕዶም ንዉልቆም ብዝሓስቡ ዉሑዳት ሱሳዓት መራሕቲ ህወሓት ዓወታት ህዝብና ክምንዛዕ ክኢሉ’ዩ።
     ስርዓት ደርግ ብዝሓበረ ቅልፅም ተሳትፎ ኩሎም ብሄር ብሄር ብሄሰባት ኢትዮጵያ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ መንበረ ስልጣኑ ምስ ተኣለየ ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ መድረኽ ዝብኢ ተባሪሩ ዝባኣሰ ተዅላ  ስለ ዝተተከአ ህዝብና ዝሓሸ ስርዓትን ምሕደራን ክረክብ ኣይከአልን፣ ተቓላሳይ ህዝብና ፍረ መስዋእቱ ዝኾነ ሰላምን ዴሞክራስን ከስተማቕር ኣብ ክንዲ ምግባር ብመዝማዚ ስርዓት ኢህወዴግ  መሪር ናብራ ክመርሕ ተፈሪዱዎ።
    ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ብቋንቋኦም ከይጥቀሙ፤ ዕድል ትምህርቲ ከይወሃቦም፤ ሰብአውን ዴሞክራስያውን መሰሎም ከይሕለወሎም ንዘልኣለም ኣብ ናይ ድንቁርና ዓለም ክጥሕሉ፤ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊኦም ዝተኣወጀ ናይ ጥፍአት ብይን ተቓሊሶም አብ መወዳእታ እኳ እንተብፅሕዎ ሰበስልጣን እቲ ጉጅለ ግን ነቲ ኣብ በረኻ እናሃለዉ ንህዝብና ዝምሕለሉን ዝጥሐልሉን ዝነበሩ ልሳኖም ረሲዖም ከይዉዓሉ ከይሓደሩ መተካእታ ደርግ ኮይኖም ፋሽሽታዊ በትሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ  ከልዕሉ ግዜ ኣይወሰደሎምን።
     በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ሃገርና ስም ዴሞክራሲ እምበር ፍረ ዴሞክራሲ ንኸይርአ፤ ኣብ መላእ ሃገር ህዉከት ንኽሰፍንን ዜጋታት ዝተረጋግአ ህይወት ንኸይመርሑ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኮይኖም ይቕፅሉ አለው።
    ህዝብና በዚ ስርዓት’ዚ እናተገደደ ካብ መንበሪኡ እናተፈናቐለን ናይ ሕርሻ መሬቱ እናተመንጠለን ኣብ ሕቡኣትን ቁሉዓትን  ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ቅኑዕ ፍርዲ ክሳቐ እንትግበር ብኣንፃሩ ካድረታት እቲ ስርዓት ድማ ዜጋታት ብናይ ባዕሎም ድሌትን ተሳትፎን ዝተቐረፀ ሕገ-መንግስቲ ይዳነዩ ኣለዉ ኢሎም ምምድሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ  ዘለዎም ክቱር ንዕቐት ዘርኢ እዩ።   
  ብሽም ህዝቢ ኢትዮጵያ እናሸቀጡ ፖለቲካዊ ቁማር ዝፃወቱ ዘሎው መለኽትን ዓመፅትን ካድረታት ሰበስልጣን ኢህወዴግ ንቕያ ጅግንነት ሰማእታት እናልዐሉ ንብዓት ሓርገፅ ክነብዑን ብዝተፈፀመ ህያው ታሪኽ  ጀጋኑ ተበሊፆም ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ሓሲቦም ዘካይድዎ ዘለዉ ላዕልን ታሕትን ካብ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ተበጊሶምን ንታሪኽ ሕሉፍ ጅግንነትን ዘኪሮም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክብሪ ንክህቡ ሓሲቦም ዘይኮነስ ንህዝቢ ብዘይጭበጥ ተስፋታት ጠቢሮም ከደናግሩን ብኡ ኣቢሎም ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ካብ ዘለዎም ድልየት ምዃኑ ተረዲእና ናይ ተንኮል ሚስጥራቶም ክንቃለዖን ኣይፋል ይኣኽለኩም ክንብሎምን ይግባእ።