Thursday, May 21, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ብ6 ግንቦት 2007 ዓ.ም መብራህቲ ብምጥፍኡ እቲ ስራሕ ጀሚሩ ዝተብሃለ መንገዲ ባቡር ጠጠዉ ከም ዝበለ ምንጭታትና ገሊፆም።



     ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባብታት ጎተራን ሼምሺን ዝርከብ መስመር ሓይሊ መብራህቲ ብ6 ግንቦት 2007 ዓ.ም  ለይቲ ኣትሒዙ ጠቕሊሉ ስለ ዝተቛረፀ እቲ ቢልዮናት ገንዘብ ህዝቢ ፈሲስዎ ዝተሰርሐ መንገዲ ባቡሩ ስራሕ ከም ዝጀመረ በቲ ገዛኢ ስርዓት ኣብ መድረኻትን ሚድያታትን ብዙሕ ዝተብሃለሉ ገና ኣገልግሎቱ ከይሃበ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጠጠዉ ክብል ምጅማሩ ኣብ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ዓብዪ መዘራረቢ ርእሲ ኮይኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
     በቲ መጓዓዝያ ስኢኑ ካብ ስርሑ ዝተኣጓጎል ዘሎ ህዝቢ ፖለቲካዊ ክሳራ ከየጋጥሞ ዘስግኦ ኣምባገነን ስርዓት ኢህወዴግ ናብቲ ከባቢ እሙናት ካድረታቱ ብምዉፋር ተቓወምቲ ዉድባት ኮነ ኢሎም ህዝቢ ምስ መንግስቲ ንምፅላእ መስመር ኤሌክትሪክ ቆሪፀሞ ሓዲሮም እናበሉ ጎስጓስ ኣብ ዝጀመርሉ ህዝቢ ከኣ ዝቖረፅዎ ሰባት እንተሃልዮም ዘይትሕዝዎም፤ ተቓምቲ ንምፅላም ትገብርዎ ዘለኹም ሕሱር ዘረባ እዩ ብምባል ከም ዝነፀጎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።