Thursday, May 21, 2015

“ሃገርናን ህዝብናን ምድሓን ሽቶና ጌርና ብሓድነት ክንሰርሕ ኢና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ንዴምህት ሓዊስካ ሓሙሽተ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ምዝታይ ከም ዘለው ተሓቢሩ።



ናይ ሓድነት፤ ምክብባር፤ ምክእኣልን ናይ ነፃነት ተምሳሌት ዝኾነት ሃገርና ኢትዮጵያ ጉጅለ ህወሓት/ ኢህወዴግ እከይ ዕላምኦም ንምስኻዕን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉ ዘለዉ እዋን ንሃገርናን ህዝብናን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ኣብፂሖማ ከምዘለው ሓሙሽቲኦም ተቃወምቲ ውድባት ምግላፆም እቲ ሓበሬታ ገሊፁ።
    ሃገርን ህዝብን ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝኸፍአ ኩነታት ክቕፅል የብሉን፤ ናይ ህወሓት/ኢህወዴግ ናይ ግፍዒ ኣገዛዝኣ ክኣኽሎ ይግባእ ብዝብል ቅድም ኢሎም ነዚ በታኒ ስርዓት ብዕጥቃዊ ቃልሲ እናገጠሙ ዝፀንሑን ዘለውን ውድባት ንሕና ሓደ ኮይና ንህዝቢ ሓደ ብምግባር ሃገርናን ህዝብናን ነፃ ክወፅእ ዝግበኣ እዋኑ ሐዚ እዩ ብዝብል ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ንምእላይ ኣብ ዝግበር ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኣለና ብዝብል ዘተ ምጅማሮም ተፈሊጡ።
    እቶም ሃገርን ህዝብን ካብ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት/ኢህወዴግ ነፃ ንምውፃእ ብጥምረት ኢሉ ‘ውን ብውህደት ንምስራሕ ንውድብና ሓዊስካ ኣብ’ቲ ዘተ ዝርከቡ ውድባት፦
1.  ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ
2.  ምንቅስቓስ ህዝቢ ጋምቤላ ንነፃነት
3.  ምንቅስቓስ ህዝቢ ቤንሻንጉል ንነፃነት
4.  ምንቅስቓስ ናይ ኣምሓራ ዴሞክራስያዊ ሓይሊ
5.  ኣርበኞች ግንቦት-7 ንሓድነትን ዴሞክራስን ምንቅስቓስ እንትኾኑ ቅድሚ ኩሉ ሃገርናን ህዝብናን ምድሓን ሽቶና ጌርና ንስራሕ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኩለ መዳያዊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኣለና ብዝብል ዘተ እናካየዱ ምዃኖም ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ገሊፆም፣
   ውልቀ መላኺ ናይ ህወሓት ኢህወዴግ ጉጅለ ከም ኩሎም እቶም ዝሓለፉ መረፃታት ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ እንተኾነ ‘ውን ናይ ይምሰል መረፃ ንምክያድ ታሕትን ላዕልን እናበሉ ይርከቡ፣ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ዝለዓለ ምንቅስቓስ እናገበርካ’ኳ እንተኾንካ። ብዝተወደበ መልክዑ እናተንቀሳቐስና ምስ እንርከብ ተቓወምቲ ውድባት ብምስታፍ ኣድላዪ ዘበለ ኣስተዋፅኦ ክትገብር ንፅውዕ ዝብል መልእኽቲ እቶም ተዛተይቲ ምምሕልላፎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።