Wednesday, May 20, 2015

ህዝቢ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ንህወሓት መጠናኸሪ ዝውዕል ገንዘብ ንኸዋፅእ ብኣመሓደርቲ ይግደድ ኣብ ዘለሉ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ከም ዘየዋፅእ ይገልፅ ምህላዉ ተፈሊጡ።



    ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ንዝነብር ህዝቢ  ኣመሓደርቲ ህወሓት/ኢህወዴግ ብ5 ግንቦት 2007 ዓ/ም ኣኪቦም ንዉድብ ህወሓት መጠናኸሪ ዝውዕል ገንዘብ  ኣዋፅኡ እናበሉ ከፋራርሕዎ ከም ዝወዓሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ተኣካቢ ህዝቢ  ግን ንህወሓት ገንዘብ እናዋፃእና ዲና ክንነብር ንባዕልና ናብራ ሓሲሙና ሓገዝ ንደሊ ኣለና ብምባል  ተቓውምኡ ከም ዝገለፀሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ  ካድረ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ጎይትኦም ይብራህ ድማ ነቶም ኣይንኸፍልን ብምባል ብግልፂ ኣብ መድረኽ ሓሳቦም ዘቕረቡ ነበርቲ፦ ኣባዲ ካሕሳይ፤ ሳሊሕ ኣሕመድን ዝተብሃሉ ዝርከብዎም ወገናት እዚኦም “መረፃ ብሰላም ከይሓለፍ ዝምነዩ ፀረ ሰላም እዮም” ብምባል ን3 ሰዓታት ዝኣክል ኣብ ማእኸል እቲ ተኣካቢ ህዝቢ ጠጠዉ ኢሎም ክቕፅዑ ድሕሪ ምግባሩ  ተኸታተልዎም ብምባል ካብቲ ህዝቢ ክንፀሉ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ተፈሊጡ።