ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ
ወረዳ ኣርማጭሆ ነበርቲ ዝኾኑ ምልሻታት ብናይ መሬትን ካልእ ምሕደራዊ ሽግራትን ናይ’ቲ ስርዓት ተማሪሮም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ
ዉድባት ይፅንበሩ ከም ዘለዉ ዝተረድኡ ሰበ ስልጣን ብኣዴን/ኢህወዴግ ኣብ ከቢድ ፍርሒ ወዲቖም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብ’ዚ ብምብጋስ ካድረታት ገዛኢ ጉጅለ ንቤተሰብ
እቶም ምልሻታት ብ2 ግንቦት 2007 ዓ/ም ነዞም ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምክያድ
ናብ ቓወምቲ ዝኸዱ ዘለዉ ቤት ሰብኩም እንተድኣ ኣምፂኹሞም 10 ሄክታር
መሬት ብዘይ ወዓል ሕደር ክንህቦም ኢና እናበሉ ይጉስጉሱ ከም ዘለዉ
ድሕሪ ምግላፅ እቲ ከምዚ ዓይነት ጎስጓስ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርዝር ተለጢፉ ከም ዘሎን ናብ ወረዳ ኣርማጭሆ ‘ዉን ክለኣኽ ምዃኑ
ነቲ ጉዳይ ብቕርበት ዝከታተሉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ተገሊፆም።