ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ንነዊሕ ዓመታት
ኣብ ዉትህድርና ከገልግሉ ፀኒሖም ዝተፋላለየ ምኽንያት ብምፍጣር እቲ ጠላም ስርዓት ካብ ዘባረሮም ኣወል ዓሊ፤ ገብረማርያም ታከለ
ዝተብሃሉ ተወለድቲ ደቡብ ወሎ ከምኡ‘ዉን ምንዋጋዉ ቸኮልን ኣሸናፊን ዝተብሃሉ ተወለድቲ ጎንደር ዝርከብዎም 4ተ
ነባራት ወተሃደራት ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ናብ ጎረቤት ሃገረ ሱዳን ከምርሑ በቲ ስርዓት ከም ዝተትሓዙ ተገሊፁ።
እዞም በቲ ስርዓት ተኣሲሮም ዘለው ወገናትና ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ስርዓት ኣገልጊሎም ከብቅዑ ብዘይ መትከሊ እግሪ
ድሕሪ ምብራሮም እንተኾነ‘ዉን መሬት ክሓቱ ፀንሖም ዝምልሰሎም ኣካል ብዘይ ምርካቦም ናብራ ስለ ዝሓሰሞም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ክኸዱ ከም ዝተገደዱ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።