Thursday, May 21, 2015

ኣብ ከተማ ሑመራ ንክልል ዝወዳደሩ ዝነበሩ ኣባላት ዓረና ናይ ህወሓት ኢህወዴግ ስሩዓት ኮይኖም ስለ ዝፀንሑ “ኣይንወዳደርን ንዓና ከይትመርፁ” ብምባል ንህዝቢ ከም ዘፍለጡ ተሓቢሩ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ንክልል ዝወዳደሩ ዝነበሩ ኣባላት ዓረና ምረፁና እናበሉ ፖስተራት ለጢፎም ክጉስጉሱ ዝፀንሑ ማሞ ተክለሃይማኖትን ብረይ ገብረን ዝተብሃሉ ስሩዓት ህወሓት ኢህወዴግ ኮይኖም ብምፅንሖም ብ11 ግንቦት 2007 ዓ/ም ንህዝቢ ከተማ ሑመራ ኣኪቦም “ንሕና ተጋጊና ኢና ፀኒሕና ናብ ህወሓት ተመሊስና ኣለና ስለዚ ህዝቢ ንዓና ከይትመርፅ” ከም ዝበልዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    ህዝቢ ከተማ ሑመራ ብወገኑ እዚ ኮነ ኢልኩም ነቲ ህዝቢ ንምድንጋርን ዝሕዞን ዝጭብጦን ንኽስእን ዝዓለመ ብመራሕቲ ህወሓት ብገንዘብ ተዓሲብኩም ዝገበርኩምዎ ናይ ምጭብርባር ተግባር እዩ ድሕሪ ምባል ንኸብድኹም እትሓድሩ ስብእና ዘይብልኩም ስሱዓትን ሕሱራት ህዝባዊ ኣረኣእያ ዘይብልኩም ብምባል ከም ዘዋረዶም እቲ ዝተረከበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።  
    ብተመሳሳሊ ኣብ ሓውሲ ከተማታት ኣደባይን ራውያንን ዝነብር ህዝቢ እንተኾነ’ውን፣ መብዛሕትኡ ንዓረና ክመርፅ ተዳልዩ ከም ዝፀንሐን እዚ ወረ ምስ ሰምዐ ግን ሰንፈላል ኣእትዮዎ ከም ዘሎን ናብ ናይ መረፃ ጣቢያ ከም ዘይኸይድ ድማ  መምስ ዝኣምኖ ሰብ  መዘራረቢ ዛዕብኡ ገይርዎ ከም ዘሎ ምንጭታትና ከብቲ ቦታ ኣረዲኦም።
    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ  ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ኣክሱም ናይ ምረፁና ጎስጓስ ዘካይዱ ዝርከቡ ኣባላት ተቓዋሚ ዉድብ ዓረና መድረኽ ብካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ይድብደቡ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ከም መቐፀልታ እዚ ከዓ ብ8 ግንቦት 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣክሱም ንደገፍቲ ዓረና መድረኽ ኣኪቡ ጎስጓስ ዘካይድ ዝነበረ ኣባል ናይቲ ዉድብ ታኣምራት ኣዲሱ ኣኽበርቲ ፀጥታ ኢና በሃልቲ ዕሱባት እቲ ገዛኢ ስርዓት ኣብዚ ከባቢ ምጉስጓስ ኣይፍቀድን ብዝብል ምኽንያት ብብተሪ ቀጥቂጦም ከም ዝደርበይዎ ተፈሊጡ።