Sunday, July 5, 2015

ነበርቲ ከተማ ሑመራ መንነት ካርድ ንምውፃእ 200 ብር ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ካብታ ከተማ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



 ኣብ  ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሑመራ ናይ መንነት ካርድ ከወፅኡ 200 ብር ክፈሉ እናተብሃሉ ብካድረታትን ኣምሓደርትን ህወሓት ኢህወዴግ ይግደዱ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ከም ውፂኢቱ ድማ ህዝቢ ነቲ ዘይቅኑዕ ኣካይዳ ይቃወሞን መረረቱ ይገልፅን ከም ዘሎ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
   ኣብታ ከተማ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ካብ ዝጅመር ንንዉሕ ዝበለ እዋን ዝፀንሓ እኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ካድረታት እቲ ስርዓት ንመንነት ካርድ ልዕሊ መጠን ንዜጋታት እናኽፈሉ እቲ ትርፊ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።