ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ እንደርታ ዝርከቡ ሓረስቶት ርትዓዊ ብዘይኮነ ዋጋ መዳበርያ ግዝኡ እናተብሃሉ ብካድረታት እቲ ስርዓት ይግደዱ ምህላዎም
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ነቲ ኣስገዳዲ ዝኾነ ኣካይዳ እቲ
ስርዓት ብምቅዋም ጥርዓኖም ኣብ ዘቕርብሉ እዋን ድማ ሰማዒ ስለ ዝሰኣኑ
ኣይንወስድ ኢሎም ስለ ዝተቓወሙ መሬቶም ንኸይሓርሱ ይኽልከሉ ምህላዎም ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ፣ እዞም ሓረስቶት እቲ
ዋጋ መዳበርያ ምስቲ እንረኾቦ እቶት ሰለ ዘይመጣጠን ርትዓዊ
ዝኾነ ኣከፋፍላ ይገበረልና ዋላ እኳ ኣብ ምባል ዝርከቡ እንተኾኑ
ክሳብ ሕዚ ቆላሕታ ገይሩ ፍታሕ ዝህብ ኣካል መንግስቲ ከም ዘይረኸቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።