Sunday, August 30, 2015

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዘካይድ ውድብ ሃርበኞች ግንቦት-7 ኣብ ኲናት ንዝተቐተሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢህወዴግ ንቤተሰቦም ዝኸዉን ገንዘብ ከዋፅኡ ይገደዱ ምህላዎም ተገሊፁ።



ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከባብታት ምዕራብ ትግራይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዘካየድ ዉድብ ሃርበኞች ግንቦት-7 ኣብ ልዕሊ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብዝወሰዶ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ንቤተሰቦም ዝኸዉን ገንዘብ ኣብ ከተማ ሑመራ ዝነብሩ ሰብ ሃፍቲ ገንዘብ ከይ ፈተዉ ብኣመሓደርቲ ብግዴታ ሃቡ እናተብሃሉ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ተዋፂኡ ይእከብ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ገሊፆም።
     ዉድብ ሃርበኞች ግንቦት 7 ኣብ ልዕሊ ስራዊት ገዛኢ ስርዓት ኣብ ዝወሰዶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐተሉ ወተሃደራት ሓደ ኮሎኔል ወልደሚካኤል ዝተብሃለ ዝርከብዎም ሓለፍቲ ንቤተሰቦም መተዓሻሸዊ ዝኸዉን ገንዘብ ኣማሓደርቲ እቲ ዞባ እናመንዝዑ ይእክቡ ምህላዎም ተፈሊጡ።