ምስ
ግዜ እናበርሁ ዝመፁ ሓቅታት ዘነፅርዎ ኢህወዴግ እናተኸተሎ ዝመፀ ፖለቲካዊ ምልኪ ንዓና ንኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ኣብ
ወፃእን ብፀበብቲ ስምዒታት ንኽንከፋፈልን ዘርኣዊ ኣታሓሳስባ ንኽነማዕብልን ድፍኢት ምፍጣሩ ውፅኢት መድብለ ፓርታዊ መንግስታዊ ኣሰራርሓ
ዘይምህላዉ እዩ።
መድብለ
ፓርቲ ዝሰፈነለን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ፖለቲከኛታት ብዝፍጠር ንሕንሕን ግርጭትን ይምዕብላ ድኣ እምበር ብስምብራት ፖለቲካ ፋሕፋሕ
ዝብላ ፍቕሪ ዜግነት ዘይብሉ ፀቢብ ስምዒት ኣይፈጠረለንን ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይምኽኑይ ስምዒትን ግጉይ ርድኢትን ኣብ ዜጋታት ዝፈጥሮ
በሰላ ዶብ ቆሪፁ ብምስጋር ኣብ ስደት ንዘለዉ ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያን ብመደብ ከፋፊሉ ንሓድነቶም ኣብ ጎደና ሓደጋ ዘሳጥሐ ኣረዳድኣን
ኣፈላላይን ክፈጥሩ ምዕዛብ። ንመፃኢ ኣብ ኢትዮጵያውያን ክምዕብል ንዝኽእል ሽግር ኣማዕዲኻ ንምዕዛብ ርሑቕ ኣይኮነን።
ታሪኽ
ናይ ውድቀት ፍፃመታት ዘጋጠሞም መራሕትን ሃገራትን ዘምበቡ ምሁራት ኢትዮጵያውያን እቲ ሕማቕ ተመክሮ ኣብ ሃገርና ንኸይድገም ብኣግኡ
ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዝሓቁፍ ብሄራዊ ናይ ዕርቂ ማእኸል ክቐውምን ፖለቲካዊ ሽግራት ተወጊዶም ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ንሃገሮም ኣብ ዝምልከት
ጉዳያት ማዕረ ከም ዝብፅሖም ኣሚኖም ብዘይ ኣፈላላይ ብርሱን ሃገራዊ ወነ እጃሞም ንኸበርክቱ ኢህወዴግ ዳግመ ግምትን ፃዕርን ክገብር
እዮም ዘጠንቅቑ ዘለዉ።
እቲ
ሓቂ ንሱ እዩ ደገፍቲ ሓሳባት ንኸነማዕብልን ግንዛበና ሓቀኛ ምዃኑ ንክንኣምንን ንሶማልያን ንኣሜሪካን ምንፅፃር ከድሊ እዩ። ድሕሪ
ውድቀት ስያድ ባሬ ሶማልያ ክትበታተን ዝኻኣለት መድብለ ፓርቲ ዘማእኸሎ ንኹሎም ዜጋታት ዝሓቁፍ ሓድነቶም ዘጠናኽር ኣፈላላያቶም
ዘኽብር ነዊሕ ራኢ ዘለዎ ኣማእኻሊ ሓሳብ ብስምምዕ ክሃንፅዎ ብዘይምኽኣሎም እዮም።
ትዕቢት
ፖለቲካዊ ባህልን ጎነፃዊ እምነት ነፍጠኛታትን ተሓዋዊስዎ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሶማልያ ደም ዜጋታት እናሰተየት እትሓድር ናይ ህውከት
ዞባ ኮይና ኣላ። ዜጋታታ ናብ ፈቐድኡ ኩርናዓት ዓለም ግዳይ ስደት ኮይኖም ብኣንፃሩ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ብኸቢድ ፖለቲካዊ ውግእ ሕድሕድ
እትሳቐ ዝነበረት ሃገረ ኣሜሪካ። ኣታሓሳስባን ድሌትን ኩሎም ዜጋታታ ብዘማልእ መልክዑ ፖለቲካዊ ሽግራታ ብምፅባብ ኣብ ፅሑፍ ዝተሰነደ
ቅጥዒ ምሕደራ ክተታኣታቱ ክኢላ።
መወዳእትኡ
ኣፈላላያት ኣብ ክልተ ውድባት ሪፓፕሊካንን ዴሞክራትን ጥራሕ ተሓቚፎም ናይ ሕጊ ላዕለዋይነት ዝኽበረሉ ዴሞክራስያዊነት ዓንቢቡ ከም
ውፅኢቱ ንዜጋታታን ካብ ካልኦት ሃገራት ፈሊሶም ንዝኣትዉ ዜጋታትን ርግኣት ፓለቲካን ነፃነት ዘለዎ ርሁው ናብራን ብምንጋስ ዕድላት
ስራሕ ዘስፍሕ ምዕባለ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብምፍጣር ምዕቡል ዘመናዊ ቁጠባ ብምትእትታው ርእሰ ሓያላን ኩለ መዳያዊ ዓውዲ ኮይና
ኣላ።
ክቡራት
ሰማዕትን ኣምበብትን እዚ ፅሑፍ ክትርድእዎ ንደልዮ ሓደ ነገር ግን ጠቒስና ክንሓልፍ እዚ ማለት ኣብ ኣሜሪካ ፍፁም ዝኾነ ዴሞክራሲ
ኣሎ ማለትና ኣይኮናን ኣብ ሞንጎ ፀለምትን ፀዓዱን ኣሜሪካውያን ሓሓሊፉ ዘጋጥም ምቅታልን ኣፈላላይን ከም ዘሎ እዚ ድማ ዘርኣውነት
ወይ ድማ ዓሌታውነት ኣብ ኣሜሪካ ጠቕሊሉ ከም ዘይተቐርፈ እዩ ዘረዳኣና።
ብዝኾነ
ካብዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልፀ ኣወንታዊ ጎኒ ኣሜሪካውያን እንታይ ኢና ክንማሃር? መራሕቲ ኢህወዴግ ካብ ናይ ጆርጅ ዋሽንግተን ተመክሮ
ፖለቲካዊ ሊቅነት ክማሃሩ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ኣፀጋሚ ‘ዩ። ብዘይምኽንያት ግን ኣይኮነን ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንድሕረ
ባይታ ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ዘለዋ ኣርባዕተ ውድባት እንተ ዳኣ ዳህሲስና።
ብደም
ዝጨቀወ ታሪኽ ህይወት ዝውንና ተቓውሞ ከልዕሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዝስግኡ ሓያላትን በላሕትን ዜጋታትን ተጋደልትን እናፅነታ
ዝፀንሓ ሰብኣውነት ዘይብለን ውድባት ምዃነን ብዙሓት ናይ ታሪኽ ፀሓፍትን ናይ ዓይኒ መሳኻኽርን ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።
ንድሕሪት
ከየስተውዓላ ብናይ ማፍያ ኣካይዳ ብደም ድሕሪ ምቁምጣዐን ዝፈጠረኦ ናይ ሓባር ግምባር ኢህወዴግ ናብ መንግስታዊ ስልጣን ምስ ተሰጋገረ
ድማ። ብዝበለፀ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ግፍዒ መርበብ ብምዝርገሐን ህዝብና ደም ነቢዑ እዩ።
እዚ
ከቢድ በደል ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ስለ ዘየሻሚ መራሕቲ ኢህወዴግ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ኣታኣታትዮም መድብለ ፓርትነቱ ዝተረጋገፀ
ግሉፅ ስርዓት ምሕደራን ልዕልነት ሕግን ከንግሱ ምፅባይ ኣብ ክሳዶም ናይ ተሓታትነት ገመድ ምእታው ማለት ስለ ዝኾነ ናይ ለውጢ
ትፅቢት ኣብ ገዛእ ርእስና ዳኣ እምበር ካብ ኢህወዴግ ምፅባይ ስቓይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምንዋሕ እዩ ዝኸውን።
ሃ/ማርያም
ደሳለኝ ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርግጋፅ ብቖራፅነት ክንሰርሕ ኢና ዝብል ስነ-ሓሳብ ናብ ህዝቢ መዲሩ ነይሩ። ስልጣኑ ናብ
ዝቕፅል 5ተ ዓመታት ንምስግጋር ነፃ ፍትሓውን ተኣማንን መረፃ ከም ዘካይድ ‘ውን ቃል ኣትዩ ነይሩ። መወዳእትኡ መረፃ ብኣፈሙዝ
ምስ ተዛዘመ ድማ ንዝመረፀናን ዘይመረፀናን ዜጋ ንምግልጋል ብትሕትና ክንሰርሕ ኢና ኢሉ ቃለ-መሓላ ምፍፃሙ ኩላትና ንዝክሮ ይመስለኒ።
እዞም
ናይ ተስፋ ቃላት 25 ዓመታት ብዘይፍረ ዝተቐለብናዮም ናይ ሕልሚ እንጀራ እኳ እንተኾኑ ሎሚ ኸ ኣብ ተግባር ከመይ ይቕፅሉ ምህላዎም
ንዕዘብ ዶ ንህሉ ብወገነይ ድሕሪ ሕልፈት መለስ ይኹን ቅድሚኡ መንግስታዊ ስልጣን ተቖፃፂሩ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ኢህወዴግ ስለ ዝኾነ
ዝምርሓሉ መርሓ ግብሪ 5ተ ዓመት ውፅኢት ውልቀ ሰባት ዘይኮነስ ናይቲ ፓርቲ መስርሕ እዩ።
እቶም
ኣብ ማህደር ትልሚ ኢህወዴግ ዝሰፈሩ ሓሳባት ብግብሪ እንተዘይተራእዮም እዝኒ ብዘደንቁሩ ትርጉሞም ዘይስምዑ ድምፅታት ተደጋጋሚ ብቓላት
ስለ ዝሰበኹና ልቢ ዝትንክፍ ስምዒት ኣይፈጥሩልናን ልቢ ዘድምዩ ናይ ምሕደራ ሽግራት ኣብ ዝባንና እናሽካዕለሉ ንድራር እዝኒ ብዘይበቕዑ
ጥዑማት ቃላት ክንስበኽ ኣንኽእልን።
ገለልተኛን
ተኣማንን ከይዲ መረፃን ምንጋስ ፍትሕን መዐቀኒ ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ጌርና እንተተበጊስና። ፍትሒ ኣብ ማሓውራት ኢህወዴግ
ምህላወን ዘይምህላውን ክነረጋግፅ ከድልየና እዩ። ብኣፃር ህልው ኩነታት ንፍትሓውነት ኢህወዴግ እንተገምጊምናዮ ፍትሒ ተረጊፃ ትነብር
ምህላዋ ዘየሻሙ ሓቂ እዩ።
ገለልተኛ
ቤት ፍርዲ የለን ንህዝቢ ከገልግል ዝግባእ ህዝባዊ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ሃገራዊ ድሕነትን ፅዕንቶ ፌደራል ፖሊስን ዝወደቐ እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ገዛእ ህዝቢ ኣፈሙዝ ዘቕንዐ ናይ መንግስቲ ተኣዛዚ ኮይኑ’ዩ ተሪፉ ሕጋውነት ብዘይተላበሰ መንገድን ንስሙ
እኳ ኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ዘይተገብረሉ ዜጋታት ምእሳርን ምፍታሕን ልሙድ ማዓልታዊ ተግባር እዩ።
ጋዜጠኛታት
ናይ ምፅሓፍ መሰሎም ተኣጊዱ ብመምርሕታት ኢህወዴግ ጥራሕ ንኽጉዓዙ ኣስገዳድ ይወርዶም ኣሎ። ሰላማዊ ሰልፊ ምሕታት /ምፅዋዕ/ ብግብረ
ሽበራ ዘኽስስ ተግባር ተቖፂሩ ዜጋታትና ግዳይ ሞትን ማእሰርትን እናገበረ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ንምህላዉ ዝምስክር ድዩ ዋላስ
መዐቀኒ ሰናይ ምሕደራ ብቛንቋ ኢህወዴግ ሰብ ምእሳርን ምቕታልን እዩ።
ኢህወዴግ
ንዝሓንፀፆ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ዘይተቐበልኩም ተባሂሎም ብጥይት ፌደራል ዝተረሸኑ ኣሕዋትና ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞ ሰናይ ምሕደራ
ዘረጋግፅ እንተኾይኑ ከምዚ ዓይነት ዴሞክራሲ ኣብ ዘመነ ደርጊ ‘ውን ከም ዝነበረ መራሕቲ ኢህወዴግ ክስቆሮም ይግባእ።
ካልእ
ይትረፍ ወገናትና ኣብ ሊብያ ተሓሪዶም ብዝብል ቁጠዐ ስምዒቶም ንማሕበረ ሰብ ዓለም ከስምዑ ሰልፊ ዝወፁ ዜጋታትና ናዕበኛታት ተባሂሎም
ድራር በትሪ ፌደራል ፖሊስ ኮይኖም ተኣሲሮምን ተንከላቢቶምን እዮም።
መራሕቲ
ተቓወምቲ ውድባት ብኣድራጋ ጠያይት ምቕታል ምስ ህላወ ፍትሒ ብኸመይ ክዛመድ ይኽእል? ናብ መደረ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ክመልሰኩም
እሞ ዴሞክራስን ሰናይ ምሕደራን ንምርግጋፅ ተዓጢቕና ተሲእና ኢና ዝብል መደረኦም ኣብ ተግባር እንትሽረፍ ታሪኽ ፍንፉናት መራሕቲ
ይደግሙ ምህላዎም ክኽሕድዎ ኣይግባእን።