“ዝበልካዮ
ካብ ዝጥለም ዝወለድካዮ,,,” እትብል ብሂል ትግርኛ ርዝነት መብፀዓ ንምዝኽኻር ጥራሕ ዝተባህለት ዘይኮነትስ ሕልናዊ መንነት ናይቲ
ብሰናይ ድሌቱ ቃል ዝኣተወ ኣካል እትድህስስን ሞራላዊ መርገፂኡ እተነፅርን ትዕዝብትና እተስፍሕ ስነ-ልቦናዊ ሕጊ ‘ውን እያ። ሞራላዊ
መትከላት ናይ ሕ/ሰብ ንኣታሓሳስባናን ኣነባብራናን ከም ዝፀልዎ ኩሉ ንድፊ ሓሳባትናን ዕለታዊ ተግባራትናን ‘ውን ንሞራላዊ ኣነባብራ
ማሕበረ-ሰብና ብኣሉታን ኣወንታን ክትንክፎ ግድን እዩ።
ምስ
ሞራል ዝታኣሳሰር ናይ ምንባርን ኣነባብራን ግርጭት ጥዑም ሰላምን ምርግጋእን ወይ ድማ ብኣንፃሩ ስንብራቱ ዘይሃስስ ኲናት ክፈጥር
ይኽእል ነዚ ንምግታእን ሞራል ሕ/ሰብ ንምዕቃብን ከከም ኩነታቱ ዘስዕቦ ፅልዋ ኣብ ልዕሊ በደልቲ ተፈፃምነት ክረክብ ዝግበኦ ሚዛናዊ
መካሓሓሲ ኣብ ሕግታት እንዳባ ስነ-ልቦናዊ ሕጊ ኣብ ሕጊ ሃይማኖትን ናይ ፍልስፍና ሕግን ተበይንሉ ንረኽቦ ካብዚ መረዳእታ እንተተበጊስና
ጥልመት ግቡእ ኣታኣላልያ እንተዘይተገይርሉ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ኣመና ከቢድ ምዃኑ ዘየሻሚ እዩ።
ብደረጃ
ውልቀ ሰብ ክንድዚ ዝኣክል ክብደትን ጥንቃቐን ክዋሃቦ ካብ ካኣለ ንምሉእ ማሕበረሰብ ወኪሉ ሓላፍነት ምሕደራ ዝተዋሃቦ ስርዓት ቃሉ
ከተግብር እንተዘይክኢሉ እንታይ ክስዕቦ ከም ዝኽእል ምግማት ዘፀግም ኣይመስለንን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ውዕል ጠላማት ክፈጥርዎ
ንዝኽእሉ ሽግራት ንምግታእን ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ንምቁፅፃርን ስልጣን ዝተዋሃቦ ስርዓት ንባዕሉ ውዕል ዝጠልም እንተኾይኑ ኣብ
እንግዳዓ ንፁሃት ዝተቐመጠ ከቢድ ኣርዑት ጭቆና’ዩ ክምስርት ዝግደድ መራሕቲ ህወሓት ኢህወዴግ ድማ ሓደ ኣብነት ናይዚ ጉዳይ እዮም።
ፖሊሲታት
መንግስቲ ኣብ ሕድሕድ ዜጋ ፅልዋ ኣለዎም ውልቀ ሰባት ትካላት ማሕበራትን ኣክስዮናትን ህልው ኣቃውመኦም ንመፃኢ ክሰማማዕ ብዝኽእል
መንገዲ ንክሃንፅዎ መደባት ንኽሕንፅፁ ርእሰ ማሎም ንኸውፍሩ ለውጢ ዕዮን ዓያይን ንምእማት ኩነታት ዕዳጋን ጠለብን ንምስናይ ኣብቲ
ዝወፀ ዓብዪ ሃገራዊ ፖሊሲ ተሓቚፎም ክጉዓዙ ስለ ዝግደዱን ብመንፅር እቲ ዝተነደፈ ፖሊሲ ስለ ዝቕየዱን ዝዋሃቦም መንግስታዊ ናይ
ፖሊሲ ሓበሬታ ወሳንነት ኣለዎ።
ክንዲ
ዝኾነ ናብ ሕ/ሰብ ብመደብ ዝመሓላለፍ ናይ ፖሊሲ መግለፅታት ውጥናት መርሃ ግብሪ። ግዝያዊ ናይ ኮንትራት ስራሕቲ ‘ውን እንተኾኑ
ንበለፅ ፕሮፖጋንዳ ኩሕል ስእል ብዝበሉ ቃላት ናብ ህዝቢ ክቐርቡ ግቡእ ኣይኮነን። ከም ገዛኻ ስለ እትነብር ኣብ ጎረባብትኻ ብማዕዶ
ንዝራኣኻዮም ነገራት ንክትመስል ብፕሮፖጋንዳ ጥራሕ ምህውታት ኣድላይነት የብሉን።
ዘለካ
ፀጋ ምስቲ ክሕግዘካ ዝኽእል ህዝብኻ ተማኺርካ ኣብ ተግባር ጎሊሑ ዝረአ ውሱን ዕማማት ንምስልሳል ካብቶም ኣብ ወረቐት ተሳኢሎም
ከይተተግበሩ ዝተርፉ ናይ ሓሶት መደረታት ንላዕሊ ኣብ ቁጠባን ኣብ ሞራል ሕ/ሰብን ርኡይ ኣድማዕነት ኣለዎም። ሕማቕ ናይ ታሪኽ
ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ሃገርና ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ክንዮ መፅባዓ ዝሰገረ ቃሉ ዘተግብር ስርዓት ብዘይምርካባ ኣብ ጎደና ድሕረት ዘገም
ክትብል ተገዲዳ ኣላ።
ናይ
ምሕደራ ሓላፍነት ንረብሐኦም ብምልዋጥ ስልጣን ብሒቶም ዝሓዙ ውልቀ ሰባት ምልከ ልኡለናዊ” ስርዓተ ምሕደራ እናተኸተሉ ኣብ ሓሳብን
ተግባርን ብዘይራኸቡ ጫፋት ብምጉዓዝ ጠንቂ ህውከትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኮይኖም ፀኒሖም ኣለዉ። ታሪኽ ህወሓት ኢህወዴግ እንተፈቲሽና
ህዝቢ ኢትዮጵያ ንማዓልቲ 3ተ ግዜ ክበልዕ እዩ።
ትግራይ
ብፅርግያ ከም ዓይኒ ዓራት ክትጥለፍ እያ። ድሕሪ ደጊም ድምፂ ጥይት ኣይንሰምዕን። ህዝቢ ናይ ስልጣን ተጠቃምን በዓል ዋናን ክኸውን
እዩ ዝብል ምሩፃት ሓሳባት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ዘወናውና ተስፋ ዝህባ መብፀዓታት ምዃነን ርዱእ እዩ።
ኣብ
ተግባር ከመይ ተፈፂመን ንምምስኻር ዝፅገም ኢትዮጵያዊ ከም ዘየለ ድማ ርግፀኛ እየ። ቃላት ገዲፍና ኣብ ተግባር ምትርጓሙን ዘይምትርጓሙን
እንተመሚናዮ ግና ኣብ ሃገሩ 3ተ ግዜ ንማዓልቲ ዝምገብ ዜጋ ባሕሪ ምድርን ቆሪፁ ንስደት ከምርሕ ንምንታይ ይግደድ ዝብል ሕቶ ክነልዕል
እዩ ዝድርኸና።
ብፅርግያ
ከም ዓይኒ ዓራት ኣብ ዝተጠልፈት ድምፂ ጥይት ኣብ ዘይስማዓላ ሃገር ተወሊዱ ንምንባር ዝፅገም ብናይ በረኻ መንነቶም ዘፍለጡ ሸፋቱ
ደለልትን ልቡን ኮላሊቱን ንኽዝመት ዕድሉ እናረገመ ቤቱ ራሕሪሑ እግሩ ናብ ዝመረሖ መሰስ ኢሉ ዝወፅእ ዜጋ ኣሎ ኢልካ ምእማን ይካኣል
ኢልና ዶ ንሓስብ ንኸውን?
ህዝቢ
ናይ ስልጣን በዓል ዋና ንምግባር ዝተቓለሰ ውድብ ቃሉ ከም ዘተግበረ ብምንታይ እዩ ክረጋገፅ ዝኽእል? 25 ዓመታት ለውጢ ኣብ ዘይብሉ
መነባብሮ ብወተሃደራዊ መምርሕን ፀቕጢ ኣፈሙዝን እናተጠቐምካ። ንፁሃት ዜጋታት ሓሳባቶም ብምግላፆም ጥራሕ ብምፍርራሕ። ብምእሳርን
ብምቕታልን ኣብ ስልጣን ስለ ዝቐፀለ ህዝቢ ናይ ስልጣን ተረባሓይ ኮይኑ ማለት ድዩ?
ፕሮፖጋንዳ
ፖለቲካ ክኸውን ኣይኽእልን። ፖለቲካዊ መትከልካ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ዝረአ ነገር ምስራሕን ግና ንመፃኢ ዝተለምካዮም መደባት ብመዳይ
ፕሮፖጋንዳ ህዝባዊ ተቐባልነት ንክህልዎም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ህወሓት ኢህወዴግ ኮነ ኢሉ ዝጋገዮ ዘሎ ድማ እዚ እዩ።
ኣፈሙዝ
ብረት ክሳብ ዝጨበጠ ካብ ህዝቢ ኣንፃሩ ንዝቐነዐ ዝኾነ ይኹን ናይ ተቓውሞ ምልክት ብሓይሊ ክዕምፆ ስለ ዝወሰነ ንባዶ ፖለቲክኡን
ዘይትግብሮም ውጥናትን ስርሑን እዝኒ ብዘደንቁር ናይ ፕሮፖጋንዳ ሸፈነ ተገዲድኩም ተቐበልዎ ካብ ዝብለና ነዊሕ ግዜ ተቖፂሩ ኣሎ።
ኢህወዴግ
ናብ ስልጣን ምስ ምምፅኡ ካልእ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተኣተወሉ መብፀዓ “ዴሞክራስያዊት ሃገር ንምህናፅ ህዝቢ ኣብ ዝደለዮ ፖለቲካዊ
ውድብ ተጠርኒፉ ናይ መድብለ ፓርቲ ስርዓት እትውንን ፌደራላዊት ሃገር ባዕሉ ክሃንፅ ሓላፍነት ከም ዘለዎ እዩ ተገሊፅሉ ኣብ ንድፈ
ሓሳብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዘይ ኣፈላላይ ከም ዝሰማማዓሉ ርዱእ ኮይኑ ኣብ ተግባር ከመይ ተኻወነ ኢልካ ምግምጋም ግና መንነት ኢህወዴግ
ንክጋሃደልና በሪ ዝኸፍት ይመስለኒ።
መድበለ
ፓርቲ ዝመርሖ ስርዓት ተመስሪቱ ዶ? ኣህዛብ ሃገርና ፖለቲካዊ ኣፈላላያቶም ተኸቢሩ ንህዝቦምን ሃገሮምን ብውልቀ ሰብ ደረጃ ይኹን
ብመልክዕ ውድብ ብመየኦም ብፍልጠቶምን ነፃ ኮይኖም ዘገልግልሉ መድረኽ ኣጋጢሙና ዶ ይፈልጥ?
ከምኡ
ዓይነት ሃዋህው እንተዝህሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ ዝበሉ ምሁራት ሃገር ዘፍረየቶም ሞያውያን ሰብ ካፒታል ኣውፈርትን።
ኣብ ዘዕበየቶም መሬት ፍልጠቶምን ንዋዮምን ንምልጋስ እንታይ ዓንቂፅዎም ኢልና ብምሕታት መልሲ ክንረክብ ይግባእ።
ናብቲ
ሓቂ እንተመፂና ግን እቲ ሕቶ ተመሊሱ ዝሓደረን ንፁርን እዩ። ኩሉ ግዜ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ብፍላይ ምስ ምሕደራ ልዕልነት
ሕጊ ህዝባዊ ስልጣን ሰብኣዊ መሰልን መረፃን ኣብ ዝኣመሰሉ ነጥብታት በብግዚኡ ንዝትስኡ ኣከራኸርቲ ሕቶታት ብዙሓት ሊቃውንቲ ዝሰማምዕሉ
ነጥቢ እንተልዩ።
ኢህወዴግ
ከም ውድብ ዝኽተሎ ግልፁነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ባህልን ፀኒሑ ዘማዕበሎ ስሱዕ ባህርያትን ድኹም ስርዓተ ምሕደራን ተወዳደርቱን መታሃላለኽቱን
ፖለቲከኛታት ንከይፍጠሩ ዝተለማመዶ ስውር መስርሕ ምቕንፃል ፖለቲከኛታት ተሓለቕቲ መሰል ዜጋታትን ጋዜጠኛታትን ምብትታን ዜጋታት
ብፍላይ ድማ ፍልሰት ምሁራት ከም ዘስዓበ ኣብ ዝተረኸቡ ኣጋጣሚታት ብትሪ ክነቕፍዎ ፀኒሖም እዮም።