Wednesday, October 21, 2015

ስርዓት ኢህወደግ ናህሪ ዋጋታት እንተዓበጦ ምቅልዑ ኣይተርፍን



    አብ ሃገርና ብብልሹው ምሕደራ ስርዓት ኢህወደግ ብዘኸተሎ ናህሪ ዋጋታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ብምምፅኡ አብ ልዕሊ መላእ ሕብረተሰብ ሃገርና ብፍላይ አብ ልዕሊ ትሑት አታዊ ዘለዎ ዜጋ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ክብሪ ዋጋታትን ዝደለዮ ጠለብ ዓይነታት ብዘይ ምርካቡ ንዝኸፈ ሽግር ማሕበራዊ ናብራ ተቓሊዑ ከም ዝርከብ ግልፂ እዩ።
   ይኹን‘ብር ሃገርን ህዝብን የመሓድር አለኹ ዝብል ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ አብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንዝርከብ ህዝቢ እኹል ቀረብ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ብዝተፈጠረ ናህሪ ዋጋታት ጠለብ እናተሳቓየ አብ ዘለሉ ወቕቲ ናይ'ታ ሃገር ኢኮኖሚ አብ ጎደና ዕብየትን ሕንባበን ትርከብ ብዝብል ዝሞተ ቃላት ክምድሩ ይስሙዑ ኣለው።
   ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ሕፅረት ዝናብ ብዘስዓቦ ድርቂ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት በቲ ስርዓት ቡቑዕ ድጋፍ ብዘይ ምግባሩ ህይወቶም እና ሰኣኑ ከምኡ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ካብ እዋን ናብ እዋን እናበኣሰ ዝመፅእ ዘሎ ክብሪ ዋጋታት እቲ ስርዓት እናፈለጠ ህዝቢ ዝሰኣነ የብሉን ኣይተፀገመን ኢሉ ብመስኮት ተለቪዥን ምግላፁ ንህዝቢ ዘይቆመ ጉጅለ ምኳኑ ዘረድእ እዩ። ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ኣብቲ ገዛኢ ስርዓት ዘለዎ እምነት ሙሉእ ብሙሉእ ንኽጎድልን ተስፋ ክቖርፅን ኣኽኢሉ እዩ።
  ብተግባር ዘይኮነስ ብምስሉይነት ዝፍለጥ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ህዝቢ ኣብ ፈቐዶ ሆቴላት ተረፍ መረፍ ንምግዛእ ጓል ይኹን ወዲ ዓቢዪ ምስ ንኡሽተይ ታራ ንኽሕዙ ተገዲዶም ኣለዉ። እዚ ኸዓ ናይ ሃገርና ኢኮኖሚ ውድቀት ቁልጭ ኣቢሉ ዘረድእ እዩ።
   ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ዝተጎደአ ሕብረተሰብ ፀገሙ ብተደጋጋሚ ዘቕርብ እኳ እንተኾነ ሰማዒ ኣካል ብምስኣኑ ቑጡዕዑ ክብእስ ገይርዎ እዩ፣ ሰብ ሃፍቲ ድማ ደስ ብዝበሎም ዋጋ ወሲኾም እናሸጡ ናይ'ቲ ድኻ ህዝቢ ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ኣስኢኑ ኣብ ሽግር ንኽሳጣሕ ገይርዎ ኣሎ።
   ሰራሕተኛታት መንግስቲ እንተኾነ'ዉን ካብ ዝኽፍሎ መሃያ ምንኣስ ምኽንያት ወርሃዊ ደመወዙ ንእኽሊ መግዝኢ፤ መማቕርቲ ነገራት ማለት ከም ዘይቲ፤ ሽጉርትን ሽኮርን ዝኣመሰሉ ንመግዝኢን ንክራይ ገዛ መኽፈልን ብምስኣኑ ናብ ካልኣይ ሃገር እናተሰደተ ይርከብ።
   ስለ ዝኾነ ስርዓት ኢህወደግ ህዝብና ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ይምገብ ኣሎ እናበለ ኣብ በቢመድረኾም ንብዙሕ ዓመታት እናተዛረበሎም ዝመፀ እኳ እንተኾነ ህዝቢ ግን ተፈጢሩ ብዘሎ ክብሪ መነባቡሮ ብዘስዓቦን ኣብ ርእሲኡ ልዕሊ ዓቕሙ ግብሪ እናተሓተተ መኽፈሊ ብምስኣኑን ብዓቕሊ ፅበት መሬትኩም ተረከቡኒ ኢሉ ሕቱኡ ኣብ ዘቕርበሉ ዝሰምዖ ኣካል ግን ኣይረኸበን።
   ዝሓለፈ ቅንያት መራሕቲ ኢህወአግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ናይ እኽሊ መኻዚኖ ዘካየድዎ ናይ ዕዳጋ ዳህሳስ ኣስዒቦም ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ምንም ዓይነት ክብሪ ዋጋታት የለን ክብሉ ተሰሚዖም፣ ህዝቢ ግን በቲ ግርምቢጥ መልሲ ተቖጢዑ እዩ።
   ንኣካላት ህይወት ወዲሰብ ሃነፅቲ ዝኾኑ ምግብታት ማለት ከም ስጋ፤ ጠስሚ፤ እንቋቁሖን ዝኣምሰሉ ኣብ መኣዱ ካብ ዝስእኖም ብዙሕ ዓመታት ዘቑፀረ ብምዃኑ በቢክልሉን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝርከቡ ኣብያተ ምግቢ ዝኸፈቱ ሰብ ሃፍቲ ዝጥቀም ሰብ ስለ ዘየለ እቲ ሽግር መነባብሮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ብምምፅኡ ህዝቢ ብምግልጋል ክኸስብሉ ኢሎም ሃፍቲ ገነቶም ኣፍሲሶም ዝኸፈትዎ ኣብያተ ምግቢ ክዓፅዉ ይርኣዩ ኣለዉ።