Saturday, October 24, 2015

ተረከብቲ ሃገር ዝኾኑ ኢትዮጵያውን መንእስያት ናብ ስደት ምድረ በዳንን ባሕርን ከቋርፁ ክጓዓዝ ኣስካሕካሒ ዝኾነ ሓደጋታት ይቃልዑ ምህላዎም ተገሊፁ።



ብሰንኪ ስእነት ስራሕ መነባብሮኦም ክመርሑ ዘይከኣሉ  ልዕሊ 317 ኢትዮጵያውያን መንእስያት  ስደተኛታት  ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ክኸዱ ክብሉ ኣብ ማላዊ ብፖሊስ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም  ምህላዎም  ድሕሪ ምግላፅ ቤት ፍርዲ ናይ'ቲ ሃገር  ዝተወሰነሎም ናይ ገንዘብን ማእሰርትን ቅፅዓት ዋላ'ኳ እንተፈፀሙ ንጉዳዮም ዝከታተል ጠበቓ ዝኾነሎም ኣካል ስለ ዝሰኣኑ ዛጊት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ግዳይ ሕማምን ሞትን ይኾኑ ምህላዎም  ናይ አጃንስ ፈራንስ ፕሬስ ዝተብሃለ ዜና ወኪል ብ3 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም ፀብፂቡ።
     ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ሃገርና  ማዕቢላ ሰላምን  ሰናይ ምሕደራን ዓሲሉ እናበሉ ብማዕኸናቶም ይልፍልፉሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን ብኣሻሕት ዝቑፀሩ መናእሰይ ናብ ሰደት ክፈልሱ ግዳይ ሓደጋ ሞት ስቓይን ይኾኑ ከም ዘለዉ  እቲ ትካል ወሲኹ 317 ሰደተኛታት  ካብ ሃገረ ማላዊ ናብ ዓዶም ንምምላስ  200,000 ሽሕ ዶላር ከም ዘድሊ ድሕሪ ምጥቃስ እንተኾነ ነዞም ኢትዮጵያውያን ዝግደሰሎም ኣካል ብዘይምህላዉ ዘተሓሳስቦም  ኣብ'ታ ሃገረ  ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወከልቲ ዝኾኑ ዲፕሎማት መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዜጋታቶም ከም ዘይግደሱ ኣመልኪቶም።