Saturday, October 24, 2015

ኣብ ደቡብ ኦሞን ሃመርን ዝርከቡ ኣብ ሕርሻን ካልኦት ቤት ፅሕፈታት ዝስርሑ ሰራሕተኛታት ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።



 ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ  ሓበሬታ ኣብ ደቡብ ኦሞን ሃመርን  ዝርከቡ  ኣብ ሕርሻን ካልኦት ቤት ፅሕፈታትን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ፌዴራል ፖሊስ   ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሃመር ዝፍፅምዎ ዘለዉ ግፍዕታት ብምቅዋም ስራሕ ጠጠዉ ብምባል ናይ ተቓውሞ ስለማዊ ሰልፊ ከም ዘካይዱ  ተፍሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ህዝቢ ሃመር  በቲ ስርዓት ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕን ምግሃስ  ሰብኣዊ መሰልን ብሰለማዊ ፖለቲካዊ  ቃልሲ ንኽፍተሓሉ ብተደጋጋሚ ዝገበሮ ፈተነ ክሰምረሉ ስለ ዘይከኣለ  ሰብኣዊ ክብሩ ንምዉሓስ ክብል ዕጥቁ ኣልዒሉ ንምቅላስ ኣብ ምንቅስቓስ ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ስርዓት ነቲ በቶም ዕጡቛት ዝወርዶ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕትን ሽንፈትን ኣንፀርፂሩ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ነባራይ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብምጭፍጫፍ  ሕነ  ናይ ምፍዳይ  ስጉምቲ ይወስድ ምህላዉ ተገሊፁ።