Wednesday, November 11, 2015

መናእሰይ ሃገርና ንፀረ-ህዝቢ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም መዓልታዊ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ እናወሓዘ ይርከብ።



ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝኣተዉ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ዝኣክል፦
1 ምዕባለ ተካ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሰማሃል
2 ሙሉ ሃፍተ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ምሕቛን
3 የዕብዮ ገብረመስቀል ካብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወ/ላ/ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ዳዕሮ
4 ፍትዊ ኣዉዓላ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልጌዳ
5 ክብሮም ጠዓመ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሰማሃል
6 ሃፍቶም መንግስቱ ካብ ዞ/ምብራቕ ወ/ሳዕስዕ-ፃዕዳ-እምባ  ጣብያ ፀንቃኔት
7 ሕሉፍ ብርሃነ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ፍረ ዳሽም ዝተብሃሉ ዝርከብዎም ካብ'ቶም ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝኣተዉ ገሊኦም እዮም።
      ካብ'ዞም ናብ ቃልሲ ዝተሰለፉ መናእሰይ የዕብዮ ገብረመስቀል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ከባቢ ላዕላይ ኣድያቦ ዝነብር መብዛሕትኡ ህዝቢ ሕርሻዊ ስራሕቱ ክነጥፍ ኣብ ዝቀሳቐሰሉ ብካድረታት እቲ ስርዓት ምስ ዉድብ ዴምህት ይራኸብ እዩ፥ ሬድዮ ዴምህት ይሰምዕ ኣሎ እናተብሃለ ብዓይኒ ጥርጣረ ስለ ዝረአ ክትትል ቁፅፅርን ከም ዝግብረሉን በዚ ዝእሰር ሰብ ብዙሕ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ኣስዒቡ እዚ መንእሰይ ንባዕሉ ካብ ዓዲ ዳዕሮ ናብ ዉዳኽ እንስሳ ክጓሲ ስለ ዝኸደ "ምስ ዴምህት ትራኸብ ኢኻ" ተባሂሉ ተኸሲሱ ዝፈፀሞ ገበን ዘይብሉ ንሓሙሽተ ዓመት ተፈሪድዎ ተኣሲሩ ክሳቐ ድሕሪ ምፅናሕ ፍርዱ ወዲኡ ከም ዝወፀ ንዝንቡዕ ከይዲ ፍትሒ ገዛኢ ስርዓት ብምዉቃስ መረረቱ ገሊፁ።