ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብዚ ሕዚ እዋን
ተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት ብዘይ ድሌቶምን እምነቶምን ስሩዕ ትምህርቶም ብምትእጉጓል ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኽተሎ
ዘምዕሩይ ፖለቲካዊ ምሕደራን ፖሊሲን ዕላማን ንኽቕበሉን ብዘይ ኢህወዴግ ንካልእ ንኸይድግፉን ናይ ቀፃሊ ሓሙሽተ ዓመት መርሃ ግብሪ
ክርድእዎ ብዝብል ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣብ ዝተመረሐ ፅዑቕ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ካልኦት ዉድባት
ፖሊሲኦም ኮነ ዕላምኦም ከምኡ'ዉን ፕሮግራሞም ንተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት ይኹኑ ታሕተዎት ተማሃሮ ኣኼባ ኣኪቦም ከየረድኡ እናተኸልከሉ
ኢህወዴግ ግን ስልጣኑ ተጠቒሙ ስሩዕ ትምህርቲ ከይተረፈ እናቋረፀ ዉድባዊ ቅዋሙን ዕላምኡን ከስርፅ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብተማሃሮ
ዩንቨርሲቲ ተቓዉሞ ይቐርበሉ ከም ዘሎ ተገሊፁ።