ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሰበታ ዕለታዊ ጠላባት ማሕበራዊ ናብራ ዝኾኑ
ሃለኽቲ ነገራት መዓልታዊ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣብ ዉሱን ሰዓታት ዉሽጢ ወሰኽ ዋጋ እናተገብረሎም ነባሪ ህዝቢ ኣብ ዓብዪ ናይ መነባብሮ
ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ከዓ ሽኮር ካብ ዕዳጋን ድንኳናትን እታ ከተማ ጠቕሊሉ ስለ ዝተሰኣነ ክሳብ ኣዋሳ
እናኸዱ ከምፅኡ ዝፈተኑ ሰባት 'ዉን ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ነበርቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ብምረት ከም ዝገለፁ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ
ኣረዲኡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሰበታ ካብን ናብን ህዝቢ
ዘመላልሱ ሰብ መካይን ዘኽፍልዎ ገንዘብ ካብ ቀዋሚ ታሪፍ ወፃኢ ተዓፃፃፊ ብምዃኑ ነበርቲ ብዝምልከቶ ኣካል ክትትልን ቁፅፅርን ክገብረሉ
ብተደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪቦም ፍታሕ ክግበረሉ ብዘይ ምኽኣሉ ገንዘቦም ኣገባብ ብዘይብሎም ሰብ ሃፍቲ እናተመዝመዙ ካብ ሓደ ቦታ ናብ
ሓደ ቦታ ንምጉዓዝ ብዝግበር ዘሎ ሓላፍ ዘለፍ ኣከፋፍላ ግብኡ ኣገልግሎት ትራንስፖር ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ነበርቲ ገሊፆም።