ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ በቢ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ
ኣድያቦ ዝነብር መላእ ሕብረተሰብ ኣመሓደርትን ካድረታትን ኣኼባ እናበሉ ብምፅዋዕ መንግስቲ ዝተለሞ መንገዲ ዕቤት ስለ ዘሎ መንግስትና
ዝበለና ክንትግብር ኣለና ይብሉ ኣብ ዘለዉሉ ህዝቢ ብወገኑ ካባኹም ንፅበዮ ዕቤት ይኹን ልምዓት የለን። ናሃትኩም ለዉጢ ብዘረባ
እናደናገርኩም ኣብ ድኽነት ምንባር እዩ እዙ ምዃኑ ፈሊጥና ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ መረፃ ንዓኹም ኣይመረፅናን መን መሪፅኩም ትመርሑና
ኣለኹም ብምባል ይቃወሞም ስለ ዘሎው ንገለ ነበርቲ መለዓዓልቲ እናበሉ የፈራርሑን ይኣስሩን ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
እቲ ነባሪ ህዝቢ ናይ'ታ ወረዳ ብግዕዙይ ምሕደራ ህወሓት ኢህወዴግ
ኣዚዩ ስለ ዝተማረረ ነቲ ብኣመሓደርቲ መደዓዓሲ ደኾን ይኾን ተባሂሉ ዝቐርበሉ ዕቤትን ልምዓትን ዝብል መጎስጎሲ ቃላት ብምንፃግ
እኳ ድኣ ብኣንፃሩ ደቅና ብሰንኪኹም ስራሕ ስእኖም ብባሕርን ሰሃራን ይጠፍኡን ይሞትን ኣለዉ፥ ንስኹም ኣዝመራ ከም ዘይነበረ ትፈልጡ
ኢኹም ነዚ ዝተፀገመ ህዝቢ ሓገዝ ዝረኽበሉ መንገዲ ዘይትፈጥሩ ዘረባ ጥራሕ እንታይ ክገብረልና እዩ። ንልዕሊ 24 ዓመታት ተሸኪምናኩም
ድሕሪ ደጊም በጃኹም ካብ ዝባና ዉረዱ ብምባል የዋጥሮም ከም ዘሎ ካብ'ቲ ሓብሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።