እዘን ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ
ቁርስን ሆቴላትን ከምኡ'ዉን ሽኮር እናተጠቐማ ዝተፈላለዩ መግብታትን መሰተታትን ብምድላዉ ናብ ተጠቃማይ ሕብረተሰብ ዘቕርባ ኣብያተ
ንግዲ ሽኮር ጠቕሊሉ ስለ ዝተስኣነ ስረሐን ደው ከም ዝበላ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ውፂኢቱ ድማ ወነንቲ ናይ'ዘን ትካላት ግዳይ ክሳራ ይኾኑ ምህላዎም ተገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ
ወሲኹ ሳሕቲ ውሑድ እንተመፀውን እቶም ሰበ ስልጣን ዝሓረይዎም
ኣከፋፈልቲ ንወልቆም እንተዘይ ኮይኑ ማዕረ ነቲ ሕብረተሰብ ኣየከፋፍልዎን
ዘለዉ ብምባል ኩሎም ወነንቲ ናይ'ዘን
ትካላት ምንም ከይሰራሕና ግብሪ ክፈሉ እናበልኩም ካብ እተገደዱና ሽኮር ዘይተምፅኡልና ብምባል ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ
ጥርዓን ውፅኢት ስለ ዝሰኣንሉ ኣብ ልዕሊ 'ቲ ስርዓት መረረቶም ኣብ
ምስማዕ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።