ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ኣምሓደርቲ ኣብ ኣተዓዳድላ መሬት ኣድልዎ ይፍፅሙ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ከምኡ'ዉን በተደጋጋሚ ሽንት ቤት ንኽስርሓሎም ዘቕረብዎ ጥርዓን ብሎሚ ፅባሕ ፍታሕ ክረኽቡ ከም
ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ብዙሓት ድኻታት ገዛ ሲኢኖም ኣብ ፀገም እናሃለዉ ገለ ሃፍታማት ግን
ናይ ወልቀ መንበሪ ኣባይቲ እናሃለዎ ነቶም ኣማሓደርቲ ጉቦ እናሃቡ ናይ ቀበሌ ገዛ ምስ ተወሃቦም መሊሶም ነቲ ድኻ ብኽባር የካርይዎ ኣለዉ ክብሉ
ዝገለፁ እቶም ነበርቲ እዚ ከምዚ ዓይነት ግዕዝይና ዝመላኦ ኣሰራርሓ ኣብ ከተማ ሑመራ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ ሃገርና ኢትዮጵያ ከም ዝፍፀም
ዘሕዝን ተጋብር ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልፁ።