ኣብ ኢትዮጵያ ክልል
ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ አርሲ ዝርከቡ ተማሃሮ ኣብ ሻሸመኔ ዝተኣሰሩ ኣሕዋትና ይፈትሑ ማስተር-ፕላን ኣዲስ ኣበባ ከም'ቲ ዝተባህለ
ይወገድ ብዝብል ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ዘካየዱ እንትኾኑ፣ ብተወሳኺ እቶም ነበርቲ ተማሃሮ አብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ባንዴራ ኦነግ
ክሰቕሉ ተረኺቦም ብምባል ሓሙሽተ ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ተዓፊኖም ከም ዝተወሰዱ እቶም ነበርቲ ኣረዲኦም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ
ምዕራብ አርሲ ንዝተፈጥረ ግጭት ብዝምልከት ንቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝተዛረቡ ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን'ታ ሃገር ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ብስርዓት ዝተዓጠቐ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምኽልኻል መጥቃዕቲ ፈፂሙ ኣሎ ክብሉ እንትገልፁ፣ ዛጊት ግን እቲ ዝተፈፀመ
መጥቃዕቲ ኣበይ ከም ዝኾነ ብግልፂ ከም ዘይተዛረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብኻልእ ወገን ድማ
ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ከተማ ጎረዋ'ውን ተቃውሞ ቀፂሉ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ብዝተፈጥረ ጎንፂ፣ ክልተ ሰባት ሞይቶም ክብሉ
ነበርቲ ዝገለፁ ክኾኑ ከለው፣ ሰበ ስልጣን ናይ'ቲ ከባቢ ኣብ ዝተሓተትሉ እዋን ግን መልሲ ካብ ምሃብ ከም ዝተቖጠቡ ተገሊፁ።
No comments:
Post a Comment