Thursday, February 25, 2016

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ፕረዚደንት ቤት ፍርዲ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ኣይተ መሓሪ ዝተብሃለ ሰብ፣ ብግዕዙይ ኣሰራርሓ ፍትሒ ከዛብዕ ከም ዝፀንሐ ብዝቐረበሉ ህዝባዊ ገምጋም ከም ዝተኣሰረ ተገሊፁ።



     ብመሰረት እቲ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ናይ ዝርከብ ቤት ፍርዲ  ፕረዚዳንት ኮይኑ ክሰርሕ ኣብ ዝፀንሓሉ እዋናት፣ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሒዞም ናብ ቤት ፅሕፈቱ ካብ ዝቐርቡ ተገልገልቲ ጉቦ እናተቐበለ ፍትሒ ብገንዘብ ክሽየጥ በሪ ከፊቱ ከም ዝፅነሐ ብዘቐረበሉ ህዝባዊ ገምጋም፣ ብ03 ለካቲት 2008 ዓ.ም ከም ዝተኣሰረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
      ብተመሳሳሊ ናይ ዞባ ምዕራብ ሰራሕተኛታት ጉምሩክ ኮይኖም ክሰርሑ ዝተመደቡ እኒ ገብረሂወት ዝተብሃሉ ዝርከብዎም ሰባት፣ ዝተወሃቦም ስራሕ ሓላፍነት ንጎኒ ጎስዮም ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ብምትኳር ብሓባር ክንቀሳቐሱ ኣብ ዝፅነሕሉ፣ ልዕሊ 300 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ህዝቢ ሸይጦም ከም ዝበልዑ ነባሪ ሕብረተሰብ ስለ ዝነቐሓሎም ብ3 ለካቲት 2008 ዓ.ም ክእሰሩ ከም ዝተገብረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
     ብካልእ ወገን፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ወልቃይት-ፀገዴ ዝነብር ህዝቢ ብኣመሓደርትን ካድረታትን ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣኼባ ንኽእከብ ኣብ'ዚ ቅንያት ንዝቐርበሉ ተደጋጋሚ ፃዊዐት ከም ዝነፀጎ ድሕሪ ምግላፅ፣ ምኽንያት መንፀጊኡ ድማ ብህዝቢ እቲ ወረዳ ንዝቐርብ ትኽክለኛ እዋናዊ ሕቶን ነቐፌታን ሰሚዑ ግቡእ ምላሽ ዝህብ ኣካል መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ኣይንግምግምን ኣይንዛርብን ዝብል ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ።
  

No comments:

Post a Comment