ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ መንጎ
ዓሌታት ኣኝዋክን ኑዌርን ዝተልዓለ ግጭት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ነቲ ባእሲ ንምህዳእ ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሕ ብዘይ ምኽኣሉ ሕዚ
እዉን ተጋዲዱ ይቕፅል ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ ምኽንያት እዉን ብዙሕ ንፁህ ህይወት ወገናት ይሓልፍን መንበሪ ገዛኣታት
ይቃፀልን ስለ ዘሎ፣ ተወለድቲ ናይ'ቲ ክልል ዝኾኑ ወገናት ገዝኦም መረብቶም ገዲፎም ናብ ዝተፈላለዩ ጎረባብቲ ሃገራትን ክልላትን
ይስደዱ ከም ዘለዉን፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ገዛኢ መንግስቲ ድማ ተቓዉምኦም የስምዑ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ብፍላይ ድማ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ተወለድቲ
ትግራይ ዝኾኑ ዜጋታት በቲ ተላዒሉ ዘሎ ግጭት ቀንዲ ተጠቃዕቲ ይኾኑ
ከም ዘለዉን፣ ንድሕነቶም ዋሕስ ዝኾነሎም መንግስታዊ ኣካል ክረኽቡ ብዘይ ምኽኣሎም መረብቶምን ንብረቶም ሓዲጎም ካብቲ ከባቢ ይለቁ
ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment