Wednesday, February 10, 2016

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ክካየድ ዝቐነየ ገምጋም ኣብ ልዕሊ ናይ ፍትሒ ኣካላት ሰፊሕ ነቐፌታ ስለ ዝቐረበ ናይ ይምሰል ምእሳርን ምብራርን ስምጉቲ ከም ዝተወሰደ ተገሊፁ።



ካብቲ ቦታ ምንጭታትና ከም ዝበልዎ፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ከተማ ሑመራ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ገምጋም ብርክት ዝበሉ ኣካላት ፍትሒ ብህዝቢ ሰፊሕ ነቐፌታ ስለ ቐረበሎም ዝተኣስሩን ዝተባረሩን ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ፣ በዚ መሰረት ናይ ከተማ ሑመራ ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ ሙሉጌታ ተኽለን ናይ ዞባ ምዕራብ ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ ቴድሮስን ብግዕዝይና ካብ ስርሖም ይባረሩ ዝተብሃሉ እንትኾኑ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዓቀብቲ ሕጊ ዝነበሩ ሄኖክ ሃይለን ኪዳነ ተስፋይን  ከምኡ'ዉን ናይ ከተማ ሑመራ ዳይና ዝነበረ ሰለሙን ዝተብሃሉ ድማ እቲ ፈፂመሞ ዝተብሃሉ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ክሲ ዘሎ ዝቐረበሎም ክሲ ክሳብ ዝፃረ ብዝብል ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እኳ እንተኾኑ፣ ህዝቢ ግን ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ነቲ ዝገፈለ ህዝባዊ ስምዒት ንግዝኡ ንምዝሕሓል የባርሩን ይኣስሩን እንተሃለዉ እኳ ግዕዝይና ብምድራቕ ፍትሒ ንኽነግስ ብዘላቒ ክሰርሑ እዮም ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ የረድእ።

No comments:

Post a Comment