Friday, August 5, 2016

ነበርቲ ከተማ ሰቲት ሑመራ ኣብዚ ናይ ክራማት ወቕቲ ላምስያ ይረኽቡ ብዘይምህላዎም፣ ሕማም ዓሶ ብዝለዓለ ደረጃ ክላባዕ ከም ዝኽእል ስግኣቶም ይገልፁ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ነበርቲ ከተማ ሰቲት  ሑመራ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፀረ- ጣንጡ ላምስያ ብእዋኑ ኣይተዓደልናን ክብሉ ዝገለፁ እንትኾኑ፣ ጉዳይ ጥዕና  ክልል ትግራይ ነዚ እዋናዊ ጉዳይ ሸለል ኢልዎ ፀኒሑ፣ ድሒሩ ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣገልጊሉ ዝነበረ ዉሑድ ኣረጊት ዝተቐዳደደ ላምስያ ዝተዓደላ እንትኾና፣ በዚ ድማ ሕማም ዓሶ ብዝለዓለ ደረጃ ክላባዕ ከም ዝኽእል ነበርቲ እታ ከተማ ስግኣቶም እናገለፁ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
ከም ኣገላልፃ ነበርቲ ከተማ ሰቲት ሑመራ ብሰንኪ ይዘንብ ዘሎ ሓያል ዝናብ እቲ ከባቢ ዝላዓለ ጀቕጀቕ ፈጢሩ ብምህላዉ፣ መንግስቲ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ናይ ላምስያ ርዳእታ እንተዘይገይሩልና ለበዳ ሕማም ዓሶ ብዝላዓለ ደረጃ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣገንዚቦም።
ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ከተማ ሰቲት ሑመራ ብወገኑ፣ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝለዓለ ምርብራብ ይገብር ኣለኹ እኳ እንተበለ፣ ካብ ዘረባ ሓሊፉ ግን ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ክሳብ ሕዚ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝኾነ ይኹን ፃዕሪ ከም ዘይገብረ ተፈሊጡ።

No comments:

Post a Comment