Monday, January 30, 2017

ኣብዚ ሰሙን እዚ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ከም ዝተፀንበሩ ወኪልና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ካብቶም ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዝኣተዉ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ….
ፀጋይ ገረመድሂን  ገብረፍፀ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ሃፍተማርያም ቁሸት ዓዲ ሳዉል
ወልደምህረት ገብረሚካኤል ኣርአያ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ደብረ ሓርማዝ ቁሸት ደብረ ሓርማዝ

ተወልደ ገብረንችኤል ገብረ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ወዲሓዞ ቁሸት  ዓዲ ጭራማ ዝርከብዎም ኮይኖም ናብ ዴ.ም. ህ. ት ተፀንቢሮም ክቃለሱ ዘኽኣሎም ምኽንያት እንትገልፁ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፅሞ ዘሎ ዓፈናን ጭቆናን ብምቁዋምን ንሕና ዉን ናይቲ ዝፈፀም ዘሎ ግፍዒ ተኻፈልቲ ብምኳንና፣ ኣብ ልዕሌና ኣድልዎን ምንግልታዕን ስለ ዝበፅሐና ናይዚ መማረፂ ድማ ቃልሲ ምኳኑ ስለ ዝተረዳእና ምስ ከማና ዝበሉ ውፁዓት ንስለ ህዝቦምን ንሃገሮምን ምስ ዝቃለሱ ኣሕዋትና ክንቃለስ መሪፅና ክብሉ ገሊፆም።

  ብፍላይ መንእሰይ ተወልደ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን እዚ ፍትሒ ክትረክብ እንተኾይንካ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ልዕሊ ዓቕምካ ግቦ እናኸፈልካ ኢኻ ፍትሒ ትረክብ ክብል ገሊፁ።



                                           




No comments:

Post a Comment