Tuesday, October 7, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ብኣለሙ ኣየነው እናተመርሐ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ክወሃብ ኣብ ዝቐነየ ኣኼባ እቲ ዝኸፍአ ፀገም ምሕደራ መሬት ምዃኑ ተገሊፁ።



ብመሰረት ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ሑመራ ብከንቲባ ናይታ ከተማ  ኣለሙ ኣየነው ዝተብሃለ ካድረ ህወሓት እናተመርሐ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ እታ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብቲ ከተማ ብዙሓት ፍታሕ ዝሰኣኑ ሽግራት እናሃለዉ ካድረታት እቲ ስርዓት ግን ዋላ ሓንቲ ፀገም ከም ዘየለ ኣምሲሎም ክጉስጉሱ ኣብ ዝፈተንሉ ገለ ተኣከብቲ ድማ ነቲ መደናገሪ ናይ’ቶም ካድረታት ዘረባ ኣትሪሮም ብምቅዋም ነቲ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ ፀገማት  ብቑጥዐ ከም ዝገለፅዎ ተፈሊጡ።

ካብ’ቶም ኣብቲ መድረኽ ዝተላዕሉ ሕቶታትን ነቀፌታን ንምጥቃስ፦ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ሽንሸና መሬት ብኣግባብ ከም ዘይተሸንሸነ፤ እቶም ዓደልቲ መሬት ንመሻርኽቶምን ጉቦ ንዝሃብዎም ሃፋትም እምበር እቲ መሬት ስኢኑ ኣብ ሽግር ወዲቑ ዘሎ ድኻ ወገን  ፀገሙ ከም ዘይፈተሕሉ ድሕሪ ምግላፅ እቶም ከምዚ ዝበለ ተግባር ዝፍፅሙ ዘለው ካድረታ ድማ የሺ ታረቀ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣደ ወንበርን ናይ መሬት ዕደላ ፈፃሚትን፤ ሰሰን ዝተብሃለ ናይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኮሚቴ ዕዳላ መሬትን ካልኦትን ከም ዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።