Tuesday, October 7, 2014

ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ኣምቦ ኣብ ሓደ ቤት ፅሕፈት ካድረታት ኢህወደግ ባዕሎም ዝተኮስዎ ቡንቧ ብኦነግ ዝተፈፀመ ኣምሲሎም ህዝቢ ንምድንጋር ይፍትኑ ምህላዎም ምንጭታትና ገሊፆም።




    እቲ ብዕለት 15 መስከረም 2007 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣብ ሓደ ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ብካድረታት ኢህወዴግ ቡንቧ ከም ዝተተኮሰ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ እቶም ካድረታት ነቲ ባዕሎም ኮነ ኢሎም ዝተኮስዎ ቡንቧ ብኦነግ ዝተፈፀመ እዩ ኢሎም ነቲ ነባራይ ህዝቢ ንምድንጋርን ነቲ ወድብ  ንምፅላምን ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።

 እንተኾነ እቲ ህዝቢ ስለ ዝነቕሓሉ ነዚ ቡንቧ ተኮስቱ  ኣባላት ኦነግ ዘይኮኑስ  ልኡዃት መንግስቲ ኮነ ኢሎም ንፖለቲካዊ ሃልክን  ሽም ተቓወምቲ ውድባት ንምጥፋእን ዝተፈፀመ‘ዩ  ብምባል ነቲ ብካድረታት እቲ ስርዓት ዝቐረበ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ብምንፃግ እቲ ውድብ ሰብ ቀቲሉ እትብሉ ዘለኹም ኣበይ ኣሎ ዝሞተ ሰብ እንትብሉ  ኣብ’ቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ።