Tuesday, December 25, 2012

ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ካብ 1990 ዓ/ም ጀሚሮም ኣብ ሰራዊት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ከገልግሉ ዝፀንሑ ወተሃደራት ስንብት ይሓቱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።


ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ሓደ ዜጋ ናብ ውትድርና ክኣቱ እንከሎ ንሸውዓተ ዓመት ተባሂሉ ከምዝኣቱ ዝፍለጥ እኳ  እንተኾነ። እቲ ስርዓት ግና ሓደሽቲ ሜላታት እናተጠቐመ ነቲ ዘዉፅኦ ኣሰራሓ ከተግብሮ ከም ዘይከኣለ እቶም ስንብት ዝሓቱ ዘለዉ ወተሃደራት ዘረድኡ።
 ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ፣ በቶም ክሰናበቱ ዝደለዩ ወተሃደራት ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ በቲ ዘውፅእዎ ሕግን ስርዓትን ስለዘይፍፅሙ፣ ኣብዚ ሐዚ ግዜ ሃገርና ኣብ ሓደጋ ሰለ ዘላ ኣይነሰናብትን ክብሉ ከም ዝመለስሎም ተፈሊጡ።
 እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ፣ ነቶም ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ተጠቒሞም ንዝሓተቱ ወተሃደራት፣ ኣብዚ ሐዚ ግዜ ስንብት ዝሓትት ጠላምን ከሓድን ጥራሕ እዩ ዝብል፤ ሓይለ ቃል ዝተሓወሶ መፈራርሕን መጠንቀቕታን ከም ዝሃብዎም፣ ካብቶም ስንብት ዝሓተቱ ወተሃደራት ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።