Monday, February 16, 2015

ኣብ ዓዲ ነብሪኢድ ዝርከቡ ዕሱባት ኣካላት ፀጥታ ህወሓት ብ30 ጥሪ 2007 ዓ/ም ነታ ከተማ ብምኽባብ ንህዝቢ ክፍትሹን ከፋራርሑን ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ።



    ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ብተቓወምቲ ዉድባት ኣብ ከቢድ ራዕዲ ወዲቖም ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብምዃኑ በቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ፖላዊስን ካልኦት ዕጡቛትን ኣዋፊሮም ንከተማ ዓዲ ነብሪኢድ ኣኽቢቦም ጉዳይ ዕዳግኡ ክገብር ይኣቱን ይወፅእን ዝነበረ ህዝቢ ዝሓዞ ንብረቱ ክፍትሽዎን ካበይ መፂኻ እናበሉ ከፋራርሕዎን ከም ዝወዓሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ብተግባር እቶም ካድረታት ዓቕሉ ዝፀበቦ ህዝቢ እንታይ ስለ ዝገበርና ኣብ ማእኸል መንገዲ ዉልቃዊ ንብረትና ትጉርጉርና ኣለኹም? ዘፍረሐኩም ነገር እንተሃልዩ ብከምዚ ዝድሕን ስርዓት የለን ንህዝቢ ምግልታዕን ምፍርራሕን ነቲ ስርዓት ዘድሕን እንተዝኾን ደርጊ ካብ ስዕረቱ ምደሓነ ኔሩ ክብሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ መዘራረቢ ዛዕብኦም ኮይኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።